Tuesday , May 7 2024
German WWII graves (Tom Reel/The San Antonio Express-News via AP) TXSAE402

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ወቕቲ ጽድያ፡ 230 ሽሕ ኤውሮጳውያን ብኮቪድ ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ክብል ገሊጹ

ኣብ ወቕቲ ጽድያ ናይዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፡ 230 ሽሕ ኣውሮጳውያን፡ ብሕማም ኮቪድ ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ክብል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኣውሮጳ፡ ሃንስ ክሉጅ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን ግዳያት ሞት ኮቪድ ብ 11% ወሰኽ ከም ዘርኣየን ክሳብ ባሕቲ ታሕሳስ፡ እዚ ቊጽሪ ናብ 230 ሽሕ ክብ ክብል ከም ዝኽእልን እቲ ውድብ ገሊጹ’ሎ። በዚ ድማ ዛጊት ዘይተኸትቡ ክቀላጠፉ ከም ዝግባእ ተመልኪቱ’ሎ።
መማህራን ቀዳምነት ክታበት ክወሃቦም ይግባእ ክብሉ ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ትማሊ ሰኑይ ናይ ሓባር ቅዋም ምሓዞም ተፈሊጡ። ኣብያተ ትምህርቲ ኣውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ክኽፈታን እቲ ንተመሃሮ ዘርብሕ ቀጥታዊ መኣዲ ትምህርቲ ክወሃብ እንተ ኮይኑ፡ መማህራንን ኣባላት ቤት ትምህርትን ከምኡ ውን እቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ኣባላት ሕብረተሰብ፡ ቀዳምነት ክትባት ክወሃቦም ይግባእ ክብል እቲ ዝወጸ ቅዋም ገሊጹ።
ብዘይካ’ዚ ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን፡ ኩለን ሃገራት፡ ንኹሎም እቶም ልዕሊ 12 ዝዕድሜኦም ቆልዑ ክኽተቡ ከተባብዓ ጸዊዑ።
Seen by Nasrovich JE at Monday 5:03pm

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com