Sunday , May 5 2024

‘ዓሌትነት’ ኣብ ኖርወይ ናይ መዓልታዊ ተርእዮ እዩ ተባሂሉ

ልዕሊ ፍርቂ ካብ ኖርወጃውያን፡ ንካልኦት ብሄራት ዘነኣእስ ቃላት ዝመመለዪኡ “ዓሌትነት መዓልታዊ” ብሰፊሑ ከም ዝዕዘቡ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ዓሌትነት ክሳብ ክንደይ ጸገም ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ዘርኢ ኮይኑ፡ ኡኢጽሮም እናወሰኸ ዝመጹ ኖርወጃውያን ከም ዝፈልጥዎ እቲ ዳህሳስ ኣጣሊሉ’ሎ። እቲ ዳህሳስ ብደረጃ ሃገር ብናይ ምርምር ትካል ኖርስታት ንኖርወጅያን ብሮድካስቲንግ (NRK) ዝተኻየደ እዩ። 47% ካብቶም እዚ ሕቶ ዝቐረበሎም መዓልታዊ ዘጋጥም ዓሌትነት “ኣዝዩ ዘስፋሕፍሐ” ክመስሎም እንከሎ፡ 6% ድማ “ኣዝዩ ሰፊሕ” ኮይኑ ከም ዝስምዖም ዳህሲሱ’ሎ። ካብ መለስቲ እዚ ተርእዮም ተጋኒኑ እዩ ዝበሉ 2% ጥራይ እዮም። ዝበዝሑ ሰባት እዚ ጸገም ምህላዉ ከምዝቕበሉ ዘርኢዩ ክትብል ተመራማሪ ሞና ዓብደል ፋዲል፡ ኣላዪት ማእከል ኣምላዊ ህልቂት ኣይሁድ ኣብ ኦስሎ ገሊጻ’ላ። ቅድሚ ኣስታት 40 ዓመታት ኖርወጃውያን ወለዱ ካብ ሲሪላንካ ኣምጺኦም ዘዕበዩዎ ፍሮድ ፎልስታድ፡ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ትሮምሶ ምስ ደቁ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዒላማ ዓሌትነት ምዃኑ ይገልጽ። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ጻዕዳ ኖርወጃዊ፡ ንስኻን ደቅኻን ብእንኸፍሎ ግብሪ ኢኹም ትዕንገሉ ዘለኹም ኢሉ ድሕሪ ምዝላፍ፡ መዓስ ኢኹም ናብ ዓድኹም ትምለሱ ኢሉ ከም ዘዋረዶ ይዝክር። ፎልስታድ ንኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “እዚ ዓደይ ምዃኑ ትዛረበሉ ዘሎኻ ቦታ ኣበይ እዩ ኢለ ምስ ሓተትክዎ፡ ኣፍሪቃ ኢሉኒ” ኢሉ። ወሲኹ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብዛዕባ ስምዒቱ ዘይሓልዩ ቃላት ምስምዑ እንተኾነ ናይዚ ሽማግለ ዝኸፍአ ምንባሩ ይጠቅስ። እዚ ሰብኣይ ሕብሪ ቆርበተይ ዝተፈልየ ብምዃኑ ጥራይ ኣብ ዘይዓደይ ከም ዘለኹ ጌሩ ከም ዝሓስብ ከኣ ተረዳእኩ” ይብል። እዚ ግና ን ፎልስታድ ጥራይ ዘጋጠመ ክስተት ኣይኮነን። ኖርወይ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኖርወይ ባህላዊ ብዝሕነት ዘለዋ ሃገር ኮይና’ላ፡፡ እዚ ድማ ብሰፊሑ ከም እወታዊ ዝረአ’ኳ እንተኾነ፡ ጽዩፍ ኣብነታት ዓሌትነት፡ ኣድልዎን ምዝመዛ ውሑዳትን ግን ሒ’ውን ይቕጽል ኣሎ። እቲ ጽቡቕ ዜና፡ ህዝቢ ነዚ ተርእዮ ዘይክሕዶ ምዃኑ እዩ። እዚ ተግባራት ምስ ጠለባት ውህደትን ስሉጥነት ቋንቋ ኖርወይ ዝጻረር ምዃኑ እውን ይነቕሓሉ’ዩ። ተመራማሪት ሞና ፡ ኣብ ኖርወይ ብዛዕባ ዓሌትነትን ኣድልዎን ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ክትዕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ተርእዮ ኣብ ኖርወይ ከምዘሎ ብምኽሓድ ዝልለ ምዃኑ ትኣምን። ኣብ ኖርወይ ዘሎ ብዕድመ ዝደፍአ ወለዶ ምናልባት ዝተፈለየ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም “ሓደስቲ ኖርወጃውያን” ንምቕባል ክኸብዶ ከም ዝኽእል ትጽቢት ኔሩ እዩ፡፡ ሕጂ ግን እቲ ተርእዮ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣዝዩ ዝሰፍሕ ምዃኑ ተረጋጊጹ’ሎ። ደቀባት ሳሚ ኖርወይ’ውን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ዒላማ ዓሌትነት ኮይኖም ምጽንሖም እቲ መጽናዕቲ ኣካቲቱ’ሎ። ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብዝለዓለ እዚ ዓሌታዊ ወስታታት ከም ዝስምዐን እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ካብቶም መልሲ ዝሃቡ እቶም 55% መዓልታዊ ዓሌትነት “ኣዝዩ ሰፊሕ” ምዃኑ ክዛረባ እንከለዋ፡ ናይ ደቂተባዕትዮ ኣሃዝ 39% እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com