Wednesday , May 8 2024

ዕጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ዓርሞሸሽ ፒኤስጂ የራጽም!

ሎሚ ዕጫ ዙር 16 ቻምፒዮንስ ሊግ ኣብዝወደቀሉ ስለስተ ክለባት ኢንግሊዝ ምስ ክለባት ጀርመን ከራኽብ ከሎ ዝተረፈት ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ድማ ምስ ገዚፍ ፋናንሳዊ ወጻኢታት ዝገበረት ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ ኣራኺብዋ።  ዕድል መሪኖ ዝውሰነሉ ጸወታ ክኸውን እዩ ክብሉ ተንተንቲ ስፖርት ይሕብሩ።

እዚ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ዝጅመር ናይ ክልተ ዙር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኢንግሊዛዊት ክለብ ቶተንሃም ምስ ብመንእሰያት ተሃኒጻ ኣብ ጹቡቅ ቁመና ትርከብ ዶርትመንድ ከራኽብ ከሎ መራሒት ፕረመር ሊግ ሊቨርቡል ምስ ባየር ሙኒኽ ከምኡውን ማንሲቲ ናብ ክለብ ሻልካ ብምጋሽ ዝሓሸ ጸወታ ተሰሪዑላ ኣሎ ::

በዚ መሰረት ኩለን ጋንታታት ግጥም ክልተ ሃገራት ዘምስሎ ጸወታ ከካይዳ እየን።

መራሒት ሴሪ ኣ ነዚ ዋንጫ ንምዕታር ንክርስትያኖ ኣብ መሳርዓ ኣኽቲታ ትርከብ ጁቨንቱስ ምስ ኣብዚ እዋን ብቕዓታ ከምዝቀነሰ ዝንገረላ ስጳኛዊት ክለብ ኣትለትኮ ማድሪድ ክስርዓላ ከሎ ጋል ሃገራ ሮማ ድማ ንክለብ ፖርቶ ብምእንጋድ ዝሓሸ ጸወታ ከተካይድ እያ።

ዕውቲ ሰለስተ ተኻታተልቲ ዓመታት ዝኾነት ክለብ ርያል ማድሪድ ወላ እካ ብቕዓታ ብርኡይ ተጎደለ ብዘለዋ ናይ ተመክሮ ቻምፕዮንስ ሊግ  ናብ ሆላንዳዊት ክለብ ኣያክስ ብምጋሽ ክብራ ንክትዕቕብ ሓያል ጻዕሪ ክሓታ ኣዩ ምኽንያቱ ክለብ ኣያክስ ናብ ናይ ተሰዓታት ክብራ ተመሊሳ ኣብ ጹቡቅ ቑመና ስለትርከብ።

መራሒት ላሊጋን ብኣብዚ ዓመት እዚ 50 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ዘሎ መሲ እትምራሕ ባርሰሎና ምስ ፈረንሳዊት ክለብ ሊዮን እያ ጸወታ ዙር 16 ብምኽያድ ብዙሕ ከይሃለኸት ናብ ዝቕጽል ግጥም ከምትሰግር ኣብዝዝረበሉ ዘሎ እሰልጣኒ እዛ ከቶሎናዊት ቨልቫርደ ግን 180 ደቃይቅ ከይተጻወትካ ውድእ ዝበሃል የለን ክብል ተዛሪቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com