Wednesday , May 8 2024

ዝመጽእ ሰሙን ሙቐት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህሉ ሙኻኑ ይሕበር።

ብመስረት ሓበሬታ በዓልመዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀመሩ ኣብ መብዝሕትኡ ክፋል ሽወደን ሲጋብ 15 ዲግሪ ሰንቲግረድ ዝዓቐኑ ሙቀት ክህሉ ሙዃኑ እዩ ዝግመት። በዚ መሰረት ስጋብ ሮቡዕ ዘሎ መዓልታት ዝልዓለ መጠን ሙቀት ክምዝገብ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ ሰባት ርሕቀቶም ሓልዮም ናይ ደገ ምንቓስቃስ ክገብሩ ይመክር።

ሓሙስ መዓልቲ ግና ብከቢድ ንፈስ ዝተሰነየ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ስጋብ ሰሜናዊ ክፋል ዝኸይድ ክህሉን ሰባት ኣብ ምንቅስቃሳቶም ዝያዳ ጥንቃቀ ክገብሩ ይምሕጸን ክብል ኢኪላ እዚ ዓውዲ ፔር ስተንቦር ን SVT ይሕብር።

ብመስረት ሓበረታ እዚ ኪኢላ መብዛሕቱኡ ደቡባዊ  ማእከላይ ክፋል ሽወደን ካብ 13 ስጋብ 15 ሙቀት ክምዝገቦ ከም ከተማታት ኡምዮ 8, ሱንድስቫል 7 ከማውን ሊልዮ 4 ዝዓቀኑ ሙቀት ክህሉ ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com