Thursday , May 2 2024

ዶብ ኖርወይ ምስ ሩስያ ክዕጾ ይኽእል’ዩ።

ሚኒስተር ፍትሒ ኖርወይ ኤሚሊ ኤንገር ሜህል፡ ኣብ ጫፍ ሰሜን ዝርከብ ዶብ ሩስያ ክትዓጽዎ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። “ነቲ ኩነታት ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና፡ ከምኡ ምግባር ኣድላዪ ኮይኑ እንተተራእዩና ድማ ነቲ ዶብ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንዓጽዎ ንኽእል ኢና” ክትብል ሜህል ንቢሮ ዜና ኤንቲቢ ገሊጻ። ሜህል ፊንላንድ ካብተን ትሽዓተ መሳገሪ ዶባት ሩስያ ኣርባዕቲአን ክትዓጽወን ዝወሰነት ብዘይተለምደ ኣገባብ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ናብ ፊንላንድ ድሕሪ ምእታዎምን ብኡንብኡ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቶምን’ዩ። ኣብ ፊንላንድ ዝርከቡ ሰበስልጣን ከም ዝሕብርዎ፡ ሓለውቲ ዶባት ሩስያ ንስደተኛታት ናብቲ ዶብ ዓጂቦም ከም ዘፋንዉዎም፡ እዚ ድማ ኣብ ሩስያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ካልእ ሃገር የግዕዙ ምህላዎምን ኣብነት እዩ ። ኖርወይ ኣብ 2015 መብዛሕትኦም ኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ተመሳሳሊ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ሩስያ ኣጋጢምዋ ኔሩ እዩ። ኣብቲ ዓመት ክሳብ 30 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ምብራቕ ኪርከነስ ኣብ ዝርከብ ስቶርስኮግ ዶብ ኖርወይ ምስ ሰገሩ ዑቕባ ምሕታትም ዝፍለጥ እዩ። “ስደት ከም መሳርሒ ናዕቢ ንምፍጣር ክውዕል ይኽእል’ዩ፡ እዚ ድማ ክንገጥሞ ዝተዳለናሉ ሓደ ተኽእሎ’ዩ” ትብል ሜህል። ኣብዚ ቀውዒ ዛጊት ኣብ ዶብ ኖርወይን ሩስያን ዘሎ ትራፊክ "ኣዝዩ ስሑው" ምንባሩ ኣስሚራትሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com