Friday , May 3 2024

ጀርመናዊ መስራቲ ባንድ ቦኒ ኤም ፍራንክ ፋርያን ዓሪፉ።

ጀርመናዊ ኣፍራዪ ሙዚቃ ከምኡ’ውን መስራቲ ዲስኮ ባንድ ቦኒ ኤም ፍራንክ ፋርያን ፥ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ስድርኡ ገሊጾም። ስድራኡ ትማሊ ሰሉስ ፋርያን ኣብ ሚያሚ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ከምዝዓረፈ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም። ኣብ 1976 ዝተመስረተት ቦኒ ኤም፡ ዳዲ ኩል፡ ራስፑቲንን ሪቨርስ ኦፍ ባቢሎንን ዝሓቖፈት ተኸታታሊ ብሉጻት ንጽል ደርፍታት ዘፍረየ እዩ። ፋርያን ቀጺሉ ን ሚሊ ቫኒሊ እውን መስሪቱ እዩ። ፋርያን ኣብ 1941 ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጀርመን ከተማ ኪርን ተወሊዱ። ከም ከሻኒ መግቢ ሰልጢኑ፡ ሞያ ሙዚቃ ውን እናሰዓበ – ፈለማ ከም ደራፋይ፡ ድሕሪኡ ድማ ከም ኣፍራዪ ብምዃን ንዓመታት ሰሪሑ። ብተወሳኺ ምስ ከም በዓል ሚት ሎፍን ስቲቪ ዋንደርን ዝኣመሰሉ ትካላት ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብገምጋም 800 ሚልዮን ቅዳሓት ከምዝሸጠ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com