Thursday , May 2 2024

ጀርመናውያን መራሕቲ ባቡር ዝነውሐ ኣድማ ከካይዱ እዮም

ጀርመናውያን መራሕቲ ባቡር ኣብዚ ሰሙን ንሽዱሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣድማ ብምፍጻም፥ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ዝነውሐ ናይ ስራሕ ምቁራጽ ኣድማ ከካይዱ ምዃኖም ማሕበሮም ትማሊ ሰኑይ ገሊጸን፡፡ እዚ ድማ ምስ ኦፕሬተር ባቡር ““ዶቸ ባን”” ን ደሞዝን ሰዓታት ስራሕን ኣመልኪቱ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ኣጋዲድዎ’ሎ። እቲ ኣድማ ረቡዕ 24 ጥሪ ሰዓት 2 ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰኑይ 29 ጥሪ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ክጸንሕን ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ንኣገልግሎት ጽዕነት ድማ፡ እቲ ደውታ ሰሉስ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ክጅምር ምዃኑ ጂዲኤል ትማሊ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ኦፕሬተር ባቡር “ዶቸ ባን”፡ እዚ ውጥን ማሕበር ፍጹም ዘይሓላፍነታዊ እዩ ክብል ከሲሱ’ሎ። እቲ ማሕበር ህሉው ዝቕባበ ከም ምኽንያት ብምልዓል ወሰኽ ደሞዝ ክግበር፥ ከምኡ’ውን ሰዓታት ስራሕ ብዘይምንካይ ደሞዝ ካብ 38 ናብ 35 ሰዓታት ክጎድሉ ጠለብ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሐ ኣድማ ስራሕ ንኣሽሓት ተጓዓዝቲ ምትእጒጓሉ ዝፍለጥ እዩ። ይዂንምበር ማሕበር ሰራሕተኛታት ባቡር ጀርመን ነቲ ሳልሳይን ዝተመሓየሸን ቅድመ-ምድላው ተባሂሉ ዝወጸ መግለጺ ዶይቸ ባን ከምዝነጸጎን ሓድሽ ኣድማ ክጽውዕ ከምዝወሰነን ገሊጹ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሓለፍቲ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ድልውነት ከምዘለዎም  ዝኾነ ምልክታት ብዘይምርኣዮም እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ትራፊክ ጽዕነት ዝረአ ዘሎ ምዝንባዕ፡ ነታ ድሮ ብሰንኪ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝተፈጥረ ወጥሪ ምድንጓይ መራኽብ ኣብ ቀረብ ሰንሰለት ሽግራት ኣጋጢምዎ ዘሎ ቁጠባ ጀርመን ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ምዃኑ ብምምልካት ሚኒስተር መጓዓዝያ ቮልከር ዊሲንግ ነኢ ኣድማ ነቒፉ’ሎ። ስራሕ መራሒ ባቡር ንመንእሰያት ዝያዳ ሰሓቢ ንምግባርን ነቲ ቀጻሊ ሕጽረት ክኢላታት ሰራሕተኛታት ንምፍታሕን ምስ ዝለዓለ ደሞዝ ናይ 35 ሰዓታት ሰሙን ኣድላዪ ምዃኑ ሓላፊ እቲ ማሕበር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። “ዶቸ ባን” ዝሓለፈ ዓመት ምስቲ ንኣስታት 180 ሽሕ ሰራሕተኛታት ባቡር ዝውክል ማሕበር ባቡር EVG እውን ኣብ ግጭት ኣትዩ፥ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com