Tuesday , May 7 2024
Japanese actor Sonny Chiba arrives for the premiere of the film "Kill Bill: Volume 1" (AP Photo/Kevork Djansezian, File) TKTT701

ጃፓናዊ ኮኾብ ተዋሳኣይ: ሶኒ ቺባ (Sonny Chiba) ዓሪፉ

ጃፓናዊ ኮኾብ ተዋሳኣይ: ሶኒ ቺባ: ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሚኡ: ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና: ምሟቱ ተገሊጹ።

ቺባ: ብፍላይ ኣብታ ኳንቲን ታራንቲኖ ዝኣለያ ፊልም Kill Bill ከም ክኢላ ሴፍ ኮይኑ ብምውሳኡ ምስ ኣፍቀርቲ ሲነማ ምዕራባውያን ከም እተላለየ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ: ንፍርቂ ዘመን ኣብ ዓለመ ተዋስኦ ኣብ ዝጸንሓለን ዓመታት: ኣብ 1970ታት ዝተሰርሓ ሰለስተ ክፋላት Street Fighter ከምኡውን Fast & Furious ሓዊስካ ኣብ ብርክት ዝበላ ፊልምታት ተዋሲኡ’ሎ።

ቺባ ምቕሉል: ሓይላን ፈቃርን ሰብ እዩ ኔሩ ክብል ማናጀሩ: ቲሞቲ ቢዬል: ይገልጾ። ተዋሳኣይ ልዊስ ታን ብወገኑ: ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ: “ናይ ብሓቂ ኮኾብ ተዋሳኣይ ኣክሽን ፊልም ኢኻ ኔርካ: ፊልምታትካ ዘልኣለማውያን እዮም: ጸዓትካ ከኣ ብሓቂ ዘተባብዕ እዩ” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com