Tuesday , May 7 2024
Foto: Simon Rehnström / SvD / TT / Kod 30386 ** OUT DN, Dagens Industri (även arkiv) och Expressen **

ገደብ ግዜ መምርሒታት መገሻ፡ ተናዊሑ

ናብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ዝግበሩ ጉዕዞታት ብዝምልከት፡ ተመሓላሊፉ ዝነበረ ገደብ ግዜ መምርሒታት መገሻ ከምዝተናወሐ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቲ ተመሓላሊፉ ዝነበረ መምርሒታት መገሻ፡ ክሳብ ዕለት 15 ጥቅምቲ ከምዝተናወሐን፡ ብጀካ ናብተን ካብ ዝርዝር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ዝተኣልያ፡ ናብተን ዝተረፋ ሃገራት፡ እቲ ገደብ ግዜ ናይ ምንዋሕ ውሳኔ፡ ግብራዊ ከምዝኾነ ተገሊጹ። ብርክት ዝበላ ኤውሮፓውያን ሃገራት፡ ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ደቡብ ኮርያን ቐጠርን ኣቐዲመን ካብ ዝርዝር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ተኣልየን ከምዝነበራ ይዝከር።

ለበዳ ኮሮና ጌና ስለዘይተወደአን እቲ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዘሎ ኩነታት፡ ተቐያያርን ዘይጭቡጥን ኮይኑ ኣሎ ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ።

ኣብተን ክግየሸን ዝተፈቕደ ሃገራት ከይተረፈ፡ ሽወደናውያን ገያሾ፡ ዓቢ ሓላፍነት ከምዘለዎም ክዝንግዑ ከምዘይብሎም፡ መምርሒታት ኮሮና ናይተን ዝገሽወን ሃገራት ብግቡእ ከንብቡን ክኽተሉን ከምኡ ውን ናይ ዝምለስሉ ጉዕዞ፡ ኣቐዲሞም መደባት ክገብሩ ከምዝግባእ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com