Saturday , May 4 2024

ጸጋማውያን ደቀንስትዮ ፊንላንድ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ኮኒነን

FILE - In this Saturday, May 15, 2021, file photo, an air bomb hits the building housing various international media, including The Associated Press, in Gaza City. Israel’s defense minister has distanced himself from comments made by his military chief after Israel bombed the Gaza Strip high-rise housing an Associated Press office and other news outlets. (Mahmud Hams/AFP via AP, File) NYSB131

ጉጅለ ጸጋማዊ ክንፊ ደቂ ኣንስትዮ ፊንላንድ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ እዩ ክብል ብጽኑዕ ኮኒኑ። እስራኤል ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ስዒቡ ኣብ ጋዛ ዘጋጠመ ቅልውላው፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ኩነታት ፍልስጤም ኣህጉራዊ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቓዛ ዝወረደ መጠን ሞት ልዕሊ 24 ሽሕ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን 70% ካብቶም ግዳያት እዮም ተባሂሉ ይግመት። እቲ ግጭት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብቲ ደጊም ውሑስ መዕቆቢ ዘይተረፈሉ ከባቢ ካብ ገዝአን ክሃድማ ኣገዲዱ እዩ። እቲ ኩነታት ዝገደደ ዝገብሮ ድማ ኣስታት 9,000 ዝግመቱ ቆልዑ ብዘይወለዲ ምትራፎም 50,000 ነፍሰጾር ደቂ ኣንስትዮን ኸኣ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ይሳቐያ ምህላወን እዩ። ኣፈኛ ጸጋማውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣባል ባይቶ ፊንላንድን ቨሮኒካ ሆንካሳሎ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንተግባራት እስራኤል ንምኹናን ድሌት ዘይምህላዎም ከምዘሕዘና ገሊጻ። ንሳ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እተፍጽሞ ኣረሜናዊ ጎነጽ ዘይምዂናኖም ዘሰንብድን ዘሕዝንንዩ። እዚ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ክምኽነ ዝኽእል ኣይኮነን ኢላ። እገዳ እስራኤል ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ስለ ዝዕንቅፍ ኩነታት ቓዛ መዓልታዊ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ዞባ ድሮ ጥሜት የጋጥሞ ከምዘሎን እውን ተመልኪቱ። ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ትካላት ማሕበራውን ክንክን ጥዕናን ፈሪሱ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ድማ ናብቲ ከባቢ ብናጻ ይንቀሳቐሳ የለዋን። ምክትል ወሃቢት ቃል ጸጋማውያን ደቂ ኣንስትዮ ጋሻው ቢባኒ፡ ህጻናትን ደቀንስትዮ ፍልስጤም ኣብ ተኣፋፊ ኲነታት ከም ዝርከቡ ኣጉሊሐን ኣለዋ። ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ቓዛ ብዘይ ዕንቅፋት ከብጽሕ ከኣ ኣተሓሳሲበን። ንሳ፡ ዩኒሴፍ ኣብ ጋዛ ዝገብርዘሎ ጎነጽ ኣንጻር ህጻናት ይካየድ ከ ምዘሎ ጌሩ ክወስዶ ጸዊዓ። ጸጋማውያን ደቂ ኣንስትዮ ፊንላንድ፡ መንግስቲ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እትገብሮ ዘላ ተግባራት፡ እንተላይ ነቲ ዓሌታዊ ምጽጻይን ዕንወትን ብግባእ መጠን ክኹንን ጸዊዐን ኣለዋ ብመሰረት ጸብጻብ “ሄልሲንኪ ታይምስ”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com