Monday , May 13 2024

ፈረንሳ፥ ሕጊ ኢሚግሬሽን ዘትርር ጽገናታት ትገብር

French President Emmanuel Macron (Pascal Rossignol/Pool via AP) PAR131

ፓርላማ ፈረንሳ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ፖለቲካዊ ክርክር ንፖሊሲ ኢሚግሬሽን ፈረንሳ ዘትርር ሕጊ ኣጽዲቑ። እቲ ዝተመሓየሸ እማመ ብኽልቲኡ ማእከላይ ሰልፊ ሕዳሰ ፕረዚደንት ኣማኑኤል ማክሮንን ብናይ ማሪን ለ ፐን ሕሉፍ የማናዊ ሃገራዊ ሰልፍን ደገፍ ረኺቡ’ሎ። እቲ ድምጺ ንሰልፊ ማክሮን ክኸፋፍፍሎ እንከሎ ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣውረሊን ሩሶ ድማ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ጸጋማውያን ውድባት፡ ማክሮን ንርሑቕ የማናውያን ሕድገታት ከምዝገበረ ብምልዓል ከሲሶም ኣለዉ። ቅድሚ ሕጂ ዝቐረበ ንድፊ ዝሓለፈ ሰሙን ብባይቶ፡ ብሃገራዊ ሰልፊ ከምኡ’ውን ብጸጋም ተነጺጉ እዩ። ከም ግብረመልሲ ናይዚ ድማ መንግስቲ ነቲ እማመ ዳግማይ ብምንዳፍ ንገለ ካብቲ ድንጋገታቱ ኣትሪርዎ’ሎ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣ ግብሪ ክውዕል ምስ ጀመረ ስደተኛታት ኣባላት ስድራቤቶም ናብ ፈረንሳ ንምምጻእ ዝያዳ ኣጸጋሚ ዝገብር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ሓገዝ ድሕነት ሓገዝ ንምርካብ ምድንጓይ ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ’ሎ። መራሒ የማናዊ ሰልፊ ሪፓብሊካን ኤሪክ ሲዮቲ፡ እዚ እማመናዩ፥ ተሪርን ተባዕን ከኣ ክብል ገሊጹ’ሎ። ጸጋማውያን ግን ማክሮን ንሕሉፋት የማናውያን ዲል ይህቦም ከም ዘሎ እዮም ዝገልጹ። መራሒ ማሕበራዊ ሰልፊ ኦሊቨር ፋውረ  ታሪኽ ንጠላማት ክዝክሮም ዩ ኢሉ። እዚ ድምጺ ፈረንሳ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ሕጊ ዑቕባ ንምጽጋን 27 ኣባል ሃገራቱ ዝገብራኦ ስምምዕ ሒደት ሰዓታት ኣቐዲሙ እዩ ወጺኡ። እዚ መንግስታት ሕብረት ኤውሮጳን ኣባላት ፓርላማን ዝተሰማምዑሉ ሓድሽ ስምምዕ፡ ኣብ ዶባት መዳጎኒ ማእከላትን ዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ንምስጓግ ዘጠቓልል እዩ። ብፕረዚደንት ፓርላማ ሮበርታ መትሶላ ፍሉይ ተባሂሉ ናእዳ ዝረኸበ እዚ ስምምዕ ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ካብተን ዝበዝሐ ቁጽሪ መጻእቲ ዘለወን ደቡባዊ ኣባላት ሃገራት ናብ ካልኦት ሃገራት ክግዕዙ ዘኽእል እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ብባይቶ ኣባል ሃገራት ብወግዒ ክጸድቕ ከድልዮ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com