Thursday , May 2 2024

ፊንላንድ፥ ምስ ሩስያ ዘራኽብ ዶባት ዝዓጸና ኣብ ወግዓዊ ገምጋም ተመርኲስና ኢና

(AP Photo/David Goldman, file)

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማሪ ራንታነን ትማሊ ሰሉስ ኣብ YLE A-studio ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ መንግስቲ ንመላእ ምብራቓዊ ዶብ ንኽልተ ሰሙን ክዓጽዎ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ሩስያ ኣንጻር ፊንላንድ እትገብሮ ወፍሪ ከተስፍሕ ትኽእል ምዃና ዝገልጽ ወግዓዊ ገምጋም መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ገሊጻ። ንሳ “ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ብሰብመዚ ተሓቢሩና’ሎ” ክትብል ርእይቶኣ ሂባ’ላ። ፊንላንድ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም መባጽሖ ዕዳጋ ዝለዋ ዝና እናወሰኸት ይኸይድ ከምዘሎ ወሲኻ ገሊጻ። “ናብ ፊንላንድ ቪዛን ብሽክለታን ከይተረፈ ዘጠቓልል ፓኬጅ ዑደታት ኣሎ። ናብ ኤውሮጳ ክመጹ ዝደልዩ ብዙሓት ሰባት ከምዘለዉ ርግጸኛ’የ” ድሕሪ ምባል ክሳብ ሚልዮናት ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ፊንላንድ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ኣመልኪታ። “ዝኾነ ሰብ ኣብ ኢንተርነት ኣትዩ ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ክንደይ ሰባት ከምዘለዉ ክደሊ ይኽእል እዩ። እቲ ተኽእሎ ናይ ብሓቂ ልዑል እዩ። ብመሰረት ግምታት፥ ሩስያ ጥራይ ኣስታት 10 ሚልዮን ዘይሕጋውያን ነበርቲ ከምዘለዋ’ውን ኣብ ግምት ምእታው ጽቡቕ’ዩ” ይብል ራንታነን። ንሳ ወሲኻ፡ ቁጽሪ ስደተኛታት ብዝለዓለ መጠን፡ ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ ዝኾኑ ሰባት እውን ናይ ምሕዋስ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ገሊጻ። “እዚ ኣብ 2015–2016 ርኢናዮ ኢና፡ ሓደገኛታት ሰባት ከም ኣካል ናይ ሓደ ብመጠኑ ሰፊሕ ጉጅለ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ መጺኦም ነይሮም” ክትብል ዘኪራ። በዚ ድማ መንግስቲ ፊንላንድ ትማሊ ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ዝርከቡ ኩሎም መሳገሪ ዶባት ካብ 30 ሕዳር ክሳብ 13 ታሕሳስ ከምዝዕጸዉ ኣፍሊጡ። ስለዚ ኣመልከትቲ ዑቕባ ኣብ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ብምዃን ጠለባቶም ከቕርቡ ክግደዱ እዮም ብመሰረት ጸብጻብ “ሄልሲንኪ ታይምስ”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com