Saturday , May 4 2024

ፊንላንድ፥ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ኣድማ ክገብሩ እዮም።

ሰርቪስ ዩኒየን ዩናይትድ (ፓም)፥ ካብ 14 ክሳብ 16 ለካቲት፥ ኣብ ማእከላት ሎጂስቲክስ ኩባንያታት ችርቻሮ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ተኸታታሊ ኣድማ ከዳሉ ምዃኑ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ኣድማ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት ክሳተፉ ምዃኖም፡ ንማእከላት ሎጂስቲክስን ዞባዊ ስርሓት ተርሚናልን ኬስኮ፡ ኣብ ቱርኮ ንዝመደብሩ ማእከላት ምክፍፋል ሊድልን ማእከል ሎጂስቲክስ ፖስትኖርድ፡ ደቡባዊ ምዕራብ ፊንላንድን ኣፍሊጡ’ሎ። መብዛሕትኦም ካብቶም 190 ሽሕ ኣባላት ፓም ኣብ ጽላታት ችርቻሮ፡ ቤት መግብን መንበሪን፡ ምሕደራ ንብረትን ውልቃዊ ጸጥታን ዝተቖጽሩ እዮም። እቶም ኣድማታት ብባህሪኦም ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ኮይኖም፡ ነቲ ብመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ (NCP) ዝካየድ ዘሎ ናይ ስራሕ ህይወት ጽገናታት ከም ዝቃወም እቲ ማሕበር ገሊጹ’ሎ። ኣደ መንበር “ፓም” ኣኒካ ሮኒ-ሳሊነን፡ እቲ ጽገናታት ሚዛን ዕዳጋ ሽቕለት ብምዝባዕ ንኣስራሕቲ ከም ዘርብሕ ተጌሩ ዝተዳለወ እዩ በሃሊት እያ። ከም ኣብነት ድማ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዕረፍቲ ሕማም ብዘይ ክፍሊት ክትክውን ምግባሩ፣ ንውሓት ግዜ ፖለቲካዊ ኣድማታት ክድረት፣ ኣስራሕቲ ንቖጽርዎም ሰባት ክሰጒ ዝቐለለ ዝገብር፥ ውሽጣዊ ልዝብ ናብ ዘይተወደበ ናይ ስራሕ ቦታታት ከስፍሕ ዝኽእልን መደባት ኣውጺኡ ኣሎ ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ ዘሎ። እዚ ብፍኑው መንገዲ ዝግበር ምስፍሕፋሕ ውሽጣዊ ልዝብ ነቶም ድሮ ኣብ ሰንኮፍ ኲነታት ዘለዉ ሰራሕተኛታት ክጎድእ እዩ ክብል ፓም ትማል ሰሉስ ምጒቱ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብ ጽላታት ኣገልግሎት ዝዓኢ መብዛሕትኦም ናይ ስደተኛ ድሕረ-ባታ ዘለዎም መንእሰያትን ምዃኖምን፡ በይንኻ ምስራሕ ልሙድ ምዃኑ፥ መጠን ምዝውዋር ሰራሕተኛታት ከኣ ልዕል ዝበለ ምዃኑን ኣጉሊሑ’ሎ። “እዚ ኣገባብ፣ ንስለ ኻልኦት ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ክላዘብ ዝኽእል መን እዩ? ድኽም ዝበላ ኲባንያታት ብማዕረ ናይ ምልዛብ ዓቕመን ክሳብ ክንደ እዩ ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ዘይተርፎ እዩ” ክብል ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com