Thursday , May 2 2024

ፊንላንድ፥ ካብ ዓርቢ 24 ሕዳር ጀሚሩ ምስ ሩስያ ዘራኽብ ሰለስተ ተወሳኺ ነቚጣታት ወሲኑ

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ (ኤንሲፒ) ኣብ ዶብ ፊንላንድን ሩስያን ካብ ዓርቢ 24 ሕዳር ጀሚሩ ሰለስተ ተወሳኺ መራኸቢ ነቚጣታት ክዕጾ ከምዝወሰነ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣፍሊጡ። ዶባዊ ነቚጣታት ኩሳሞ፡ ሳላን ቫርቲዩስን ክሳብ 23 ታሕሳስ 2023 ዕጹው ክኸውን እዩ። ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ ኩሉ ትራፊክ ስግር ዶብ፡ በቲ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ዝርከብ መሳገሪ ነጥቢ፡ ራጃ-ጁሰፒ ላፕላንድ ክሓልፍ ኣለዎ ማለት እዩ። ካብ ዓንኬል ኣርክቲክ ንሰሜን ኣስታት 300 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ እዚ ነጥቢ ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ሰዓታት ክፉት ኮይኑ ኣብ ሰሙን ካብ ውሑዳት ደርዘን ዘይበዝሕ መሳገሪታት ከምዘመዝገበ ምክትል ኣዛዚ ኣውራጃ ሓለዋ ዶብ ላፕላንድ ቪለ ኣሕቲያንን ዝሓለፈ ረቡዕ ንሄልሲንጊን ሳኖማት ገሊጹ። ኦርፖ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ንኹነታት ዶባት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎን ንሓድሽ ምዕባለታት ምላሽ ንምሃብ ተወሳኺ ስጉምቲ ንምውሳድ ድሉው ምዃኑን ገሊጹ። “ራጃ-ጁሰፒ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ዘሎ ዶብ እዩ፥ ናብኡ ንምብጻሕ ርሑቕ ኣይኮነን” ክብል ርእይቶኡ ሂቡ። መንግስቲ ፊንላንድ ዝሓለፈ ሰሙን ንዶብ መሳገሪ ነጥብታት ኢማትራ፡ ኒራላ፡ ኑይጃማን ቫሊማዓን ብምዕጻው፡ ኣተኲሮኡ ኣብ ላፕላንድን ኩህሞ ኣብ ዝርከብ ምቕባል ሕቶታት ዑቕባ ምግባሩ ተፈሊጡ። እቲ ምዕጻው እኹል ከምዘይኮነ ኣብ ምርዳእ ከም እተበጽሐ ዝገለጸ ኦርፖ፡ ኣብ ክልቲኡ ዶባት ቁጽሪ ኣመልከትቲ ዑቕባ ከምዝወሰኸ ኣመልኪቱ። ብዝሒ ዝመጹና ሰባት ምቊጽጻር ከድልየና እዩ ክብል ተማጒቱ። ኦርፖ ብተወሳኺ መንግስቲ ኣድላዪ እንተኾይኑ ንመላእ ምብራቓዊ ዶብ ክዓጽዎ ከምዝኽእል እኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ንእኡ ዝኸውን ረቛሒታት ከምዘይተማልአ ገሊጹ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማሪ ራንታነን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ተወሳኺ ምዕጻው ህዝባዊ ስርዓትን ሃገራዊ ድሕነት ንምርግጋጽ ከምዘድሊ ሓቢራ’ላ ብመሰረት ጸብጻብ ሄልሲንኪ ታይምስ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com