Monday , May 6 2024

ፊንላንድ፥ ጡረተኛታት ኣብ 2024 ናይ ምዕዳግ ዓቕሞም ክብ ክብል እዩ

ኣብ 2024 ጡረተኛታት ፊንላንድ ናይ ምዕዳግ ዓቕሞም ዓቢ ወሰኽ ክረኢ እዩ ክብል “ማሕበር ከፈልቲ ግብሪ ፊንላንድ” ሓቢሩ። ብምኽንያት ኣብ ዝሓለፈት ዓመት 2023 ዝተኸስተ ዝቕባበ፥ ኣብ ሃገራዊ ጡረታ፣ ዋሕስ ጡረታን ኣብ ኣታዊ ዝምርኮስ ጡረታን ዝለዓለ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ሃገራውን ናይ ውሕስነት ጡረታን ብ 5.9%፥ ኣብ ኣታዊ ዝምርኮስ ጡረታ ኸኣ ብ 5.7% ክውስኽ እዩ። ግብሪ ጡረታ እውን ምቕያሩ፣ ኣብ ትሑትን ልዑልን ጡረታ ዝኽፈል ግብሪ ወሰኽ ምርኣዩ፣ ኣብ ማእከላይ ጡረታ ዝኽፈል ድማ ምንካዩ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ምትዕርራይ ምስቲ ኣብ ኣደራርጃ ዝተመርኮሰ ወሰኽ ጡረታ እንክወዳደር ዝወሓደ ኮይኑ፡ ክፍሊት ኹሎም ጡረተኛታት ክውስኽ እዩ። ዝቕባበ ብሓንሳብ ክዘልቕ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዓቕሚ ናይቶም ኣብ ወርሒ 922 ዩሮ ዝረኽቡ ጡረተኛታት ብ 3.8%፡ ናይቶም ኣብ ወርሒ 1,881 ዩሮ ዝረኽቡ ጡረተኛታት ብ 4.2% ፡ ናይቶም ኣብ ወርሒ 5,643 ዩሮ ዝረኽቡ ጡረተኛታት ድማ ብ 2.8% ክመሓየሽ እዩ ክብል “ማሕበር ከፈልቲ ግብሪ” ዘካየዶ ቅመራ ይሕብር። ንኣብነት ሚኒስትሪ ፋይናንስ፡ ኣብ 2024 ዝቕባበ ናብ ከባቢ 2% ክዝሕትል ምዃኑ ግምት ኣለዎ። ስለዚ ድማ ዓቕሚ ዕድጊ ጡረተኛታት ካብቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ቁጠባ ብዝያዳ ክመሓየሽ ተዳልዩ ኣሎ። ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣብ 2024 ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ብ 0.7% ጥራይ ክዓቢ ትጽቢት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ዓመት ንጡረተኛታት ክጠቅም፡ ን መብዛሕትኡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ንዝተራእየ ምድኻም ጡረታ ዝኽሕስ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብማሕበር ከፈልቲ ግብሪ ዝተገብረ ቅመራ ከምዘመልክቶ፡ ዓቕሚ ምዕዳግ ናይቶም ትሕቲ 1000 ዩሮ ንዝረኽቡ ጡረተኛታት ብፍላይ ካብ 2019 ኣትሒዙ ብ 4.5%
ተመሓዪሹ’ሎ። ብኣንጻሩ ዓቕሚ ምዕዳግ ናይቶም ማእከላይን ልዑልን እቶት ዘለዎም ጡረተኛታት ኣብ 2024 ናብ ደረጃ 2019 ክምለስ ትጽቢት ኣሎ–ብመስረት ጸብጻብ “ሄልሲንኪ ታይምስ”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com