Monday , May 6 2024

ፊንላንድ: ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፊንላንድ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ዶብ ክጸንሑ ዝገብር እማመ ይነድፍ

Tents used by migrants seeking asylum in the United States line an entrance to the border crossing, Monday, March 1, 2021, in Tijuana, Mexico. President Joe Biden is holding a virtual meeting with Mexican President Andrés Manuel López Obrador. Monday's meeting was a chance for them to discuss migration, among other issues. (AP Photo/Gregory Bull) MXGB102

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ መሰረት ዘይብሉ ናይ ዑቕባ ሕቶ ዘቕረቡ ሰባት ዶብ ሰጊሮም መታን ከይንቀሳቐሱ ሰብመዚ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሕጊ ወጻእተኛታት ንምምሕያሽ ዝዓለመ እማመ ንምውጻእ ለይትን መዓልትን ይሰርሑ ከምዘለዉ፡ ነቲ ፕሮጀክት ብቐረባ ዝፈልጡ ብርክት ዝበሉ ምንጭታት ሓቢሮም። ብመሰረት እዚ ሓድሽ መስርሕ ዝተወሰኑ ምብራቓዊ ዶብ ዝርከቡ ኣመልከትቲ ብወግዒ ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክኽልከሉ እዮም። ኣብዚ ዝኣትዉ ኣመልከትቲ ቅድሚ ሕጂ ብኸቢድ ገበን ዝተፈርዱ፡ ንሰበስልጣን መደናገሪ ሓበሬታ ዝሃቡ ወይ ንሃገራዊ ድሕነትን ህዝባዊ ስርዓትን እታ ሃገር ሓደጋ ከም ዝኾኑ ምስ ዝእመን ጥራይ እዩ። ዕላማ እዚ መስርሕ ዑቕባ ክወሃቦም ተኽእሎ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ውሽጢ ፊንላንድ ብናጽነት ከይንቀሳቐሱ ወይ ናብ ካልእ ክፋላት ኤውሮጳ ከይሰግሩ ንምርግጋጽ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብተወሳኺ ሓደ ምንጪ ን ማዕከን ዜና ሄልሲንኪ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዚ ኣገባብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብቕልጡፍ ብሰብመዚ ንኽልለዩ እቲ መመልከቲ ምስተነጽገ ኸኣ ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱን ከምዝኽእል ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ኣገባብ ንናጽነት ምንቅስቓስ ሓተትቲ ዑቕባ ዝድርት ክኸውን እዩ፡፡ በዚ ድማ ጠለባት ሕቶ ዕቚባ ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ወይ መዓርፎ ነፈርቲ ንፖሊስ ወይ ሰብመዚ ዶብ ካብ ዝቐርበሉ መዓልቲ ዝሕሰብ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ክስርሑ ክግደዱ እዮም። እዚ ኣገባብ ዝምልከቶም ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ክጸንሑ ክግበር እዩ። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ዘይተወድአ ጒዳይ ናብቲ ንቡር ኣገባብ ክምለስ፡ ኣመልካቲ ኸኣ ከም ካልኦት ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ክወሃቦ እዩ። ብመሰረት እቲ ንቡር ኣገባብ፡ ሕቶ ዑቕባ እንተበዝሐ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክውዳእ እዩ። ብዘይካዚ ሕጊ ወጻእተኛታት ፊንላንድ ምስ ሕጊ ኣሰራርሓ ሕቶ ዑቕባ ሕብረት ኤውሮጳ ንምስምማዕ ይመሓየሽ ኣሎ ብመሰረት ጸብጻብ ሄልሲንኪ ታይምስ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com