Saturday , May 4 2024

ፎን ደር ሌየን ካብ ስልጣና ክትወርድ ዝጠልቡ ልዕሊ 26 ሽሕ ሰባት ክታምም ኣንቢሮም

European Commission President Ursula Van Der Leyen (Christian Hartmannn, Pool Photo via AP) STR109

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 26,000 ሰባት ብ – ፖለቲካዊ ሰልፊ ፓን-ኣውሮጳዊ ምንቅስቓስ DiEM25–ዝኾነ MERA25 ጀርመን  ኣቢሎም ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ካብ ስልጣና ክትለቅቕ ሕቶ ኣቕሪቦም። ን ሕጋዊ መዋቕር ሕብረት ኤውሮጳ ዕሽሽ ብምባላ እዩ እዚ ሕቶ ቀሪቡላ ዘሎ። ብዘይካዚ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሲቪል ቓዛ ዝገበሮ ኣምላዊ ደብዳብ ብሞራል ዘሕትት ደገፍ ምሃባ ምኽንያት እዚ ሕቶ ምዃኑ ተፈሊጡ።

“ቮን ደር ሌየን ኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት እተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒና ከተብቅዕ፡ ብጒባብ ምክልኻል ኣብ ቓዛ ንዝርከብ ሰላማዊ ህዝቢ ማይ፡ መግብን ኤሌክትሪክን ምኽልካልን ኣምላዊ ደብዳብን ደጊፋ እያ። እዚ ሻራዊ ስጉምቲ ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ሓላፍነታ ብዘይምዃኑ ናይ ባዕላ ደረት ዕማም ዝጠሓሰ እዩ ብዝብል ምኽንያት ካብ ዲፕሎማሰኛታት ዓለም፡ ካብ ሰብመዚ ብራስለስን ካልእ ቦታታት ሕብረት ኤውሮጳን ከይተረፈ ውግዘት ኣስዒቡላ’ዩ” ክብል ብ DiEM25 ዝተዋህበ መግለጺ ይሕብር።

“ወይዘሪት ቮን ደር ሌየን ብቕዓት ዘይብላ ምዃና ዝደለ ምኾነ፥ ግን ናብ ዞባ ውግእ ብምብራር፡ ብስም ኤውሮጳውያን፡ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽንባላ ኣይንጻወሮን ኢና። መዋረዲትን ጾርን ኢኺ፥ ብህጹጽ ስልጣንኪ ሕደጊ” ክብል ያኒስ ቫሩፋኪስ፡ ሓባራዊ መስራቲ DiEM25 ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ቮን ደር ሌየን ንከበባን ደብዳብን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን እናኾነነት፥ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንጃምላዊ ህልቂት ፍልስጤማውያን “እስራኤል ነብሳ ክትከላኸል መሰል ኣለዋ” እናበለት ክትድግፍ ዘርኢ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ክዝርጋሕ ጸኒሑ’ዩ፡፡ እዚ ድማ ነቲ ምስሉይ መርገጺኣ ዘጉልሕ እዩ። ዓሚ ቮን ደር ሌየን ሩስያ “ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ብፍላይ ድማ ኤሌክትሪክ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ገበናት ኲናት እዩ፥ ን ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቆልዑ መብራህቲ ምቑራጽ፥ እሞ ድማ ኣብ እዋን ክረምቲ ግብረሸበራዊ ተግባራት እዮም። ከምኡ ኢልና ድማ ክንጽውዖም ኣለና” ኢላ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com