Tuesday , May 7 2024
Denmark's Health Minister Magnus Heunicke proposes requirements for, among other things, a negative COVID test upon entry. Foto Martin Sylvest / Ritzau Scanpix / TT / kod 93000 ref: ***BETALBILD***

80% ካብ ዜጋታት ዴኒማርክ፡ ከምዝተኸትቡ ተሓቢሩ

ኣብ ሃገረ ዴኒማርክ፡ ኣርባዕተ ካብ ሓሙሽተ፡ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ ከምዝተኸትቡ ሚኒስተር ጥዕና ዴኒማርክ፡ ማግኑስ ህዩኒከ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ዴኒማርካውያን፡ ንክታበት ኮቪድ ምቕባሎም፡ ምስጋና ይብጻሓዮም ክብል፡ እቲ ሚኒስተር፡ ጽሒፉ።

ኣብ ሃገረ ዴኒማርክ፡ መስርሕ ክታበት፡ ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ከምዝጀመረ ይዝከር። ኣብ መወዳእታ ናይ ወርሒ መስከረም 2021 ድማ፡ ትሽዓተ ካብ ዓሰርተ ሰባት፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ዝረኸቡ ክኾኑ፡ ንሰርሓሉ ዘሎና ዕላማ እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን ክታበት ዘመዝገባ ሃገራት ዓለምና እያ። ይኹን እምበር፡ ሰሙናዊ ብዝሒ መጠን ክታበት፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝነበረ 200 ሽሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ 39 ሽሕ ምውራዱ ተፈሊጡ ኣሎ።

ንኹሎም ክታበት ዝምልከቶም ጉጅለታት ንምኽታብ፡ ዝከኣለና ንገብር ኣለና ዝበለ፡ ህዩኒከ፡ ኩሎም ዜጋታት ዴኒማርክ፡ ምሉእ ክትባቶም ክውድኡ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com