Tuesday , May 21 2024

ውህደት

ስኩተራት ዝዝውሩ ሰባት: ቆብዕ መከላኸሊ ርእሲ ክኽደኑ ክግደዱ እዮም

ኣብ ዴንማርክ: ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ጀሚሩ: ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ስኩተራት ዝዝውሩ ሰባት: ቆብዕ መከላኸሊ ርእሲ (helmet) ክጥቀሙ ከም ዝግባእ ተሓጊጉ ምህላው ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሕጊ’ዚ ንኻልኦት ተመሳሰልቲ ብሞተር ዝሰርሓ ከም ስኬትቦርድ ዝኣመሰላ ‘ሚዛን እንዳሓለዋ’ ዝሰርሓ ናእሽተይ መጓዓዝያታት ንዝጥቀም ሰብ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ዕላማ ናይዚ ሕጊ ምትእትታው፡ ነቲ እንዳበዝሐ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ርእሲ መጉዳእቲ ንምንካይ ተሓሲቡ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርታት ዝተወስዱ ተወሰኽቲ መምርሒታት የለዉን

ድሕሪ በዓላት ልደት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙንን ፈረቓን ቤት ትምህርትታት ናይታ ሃገር ክኽፈቱ ምዃኖም ተፈሊጡ። ጎናጎኒ ምስ’ዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ተላባዒ ዝኾነ ኦሚክሮን ጅር እቲ ዓብላሊ ቫይረስ ዝኾነሉ ግዜ ከም ዝኾነ ትጽቢታት ኣለው። ይኹን እምበር፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን (Health Agency of Sweden-FHM) ኣብዚ ሰዓት’ዚ: ነዚ ሕጂ ዘሎ ምልባዕ ንምክልኻል: ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርትታት፡ ተወሳኺ መምርሕታትን ስጉምትታትን ምትእትታውን …

Read More »

ኣብ ዌልስ ኣብ ዝርከብ ዎርፓዝ፡ ዝተቘጥዐ ምጹጽላይ: ጉደኣት የውርድ

ኣብ ዌልስ ኣብ ዝርከብ ዎርፓዝ፡ ዝተቘጥዐ ምጹጽላይ ጉደኣት የውርድ፡ ሓደ ምጹጽላይ ኣብ ቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዊልስ ዝርከቡ ነበርቲ ባክሊ ፍርሂ ድሕሪ ምስፍሕፍሑ ተቐቲሉ፡፡ ክብል ቢ.ቢ.ሲ. ነውስ ቻነል ጸብጺቡ፡ ፡  እቲ ዝነደረ እንስሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት `ዩ ን 18 ሰባት ናይ ሞቑሰልቲ ጉዳኣት ኣውሪዱ፡፡ ኮሪን ረይኖልድ እተባህለት ሰብ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዛ በቲ ምጹጽላይ እምዝተበጽሐትን ኣብ …

Read More »

ንሓደ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ዘጥቀዐ ነብሪ: ተቐቲሉ

ሓደ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መካነ እንስሳታት ዝነብር ነብሪ፡ ኣብ ጥቓ ሓጹር ንሓደ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ኣብ ምናቱ ስለዝነኸሶ ብጥይት ከምዝተቐተለ ቢቢሲ ጸብጺቡ። እዝ ፍጻመ ዘጋጠመ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይታ ሃገር፡ ኣብ ዝርከብ ኔፕልስ መካነ እንስሳታት (Naples zoo) ኮይኑ እቲ 8 ዓመት ዝዕድሚኡ ‘ኤኮ’ (eko) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነብሪ፡ በቲ ቀዳድ ሓሊፉ ምናት ናይቲ ሰብኣይ ዓትዒቱ ብምንካሱ እዩ። ከም ጸብጻብ መንግስታዊ …

Read More »

  ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሓደሰ ‘ቢግ ቤን’ (Big Ben) ንሓድሽ ዓመት ይሻባሸብ

ንመጀመሪታ ግዜ ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ደቂ ለንደን ነቲ ህቡብ ‘ቢግ ቤን’ (Big Ben) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዝርከብ ናይ ህዝቢ ናይ መንደቕ ሰዓት፡ እንደገና ክመልኡዎ ይዳለዉ ከምዘለው ተሓቢሩ። እዚ ‘ቢግ ቤን’ ዝተባህለ ሰዓት ዘለዎ፡ ብሸነኽ ሰሜን ናይ ለንደን ባይቶ ርእሲ ናሕሲ ዝርከብ 96 ሜትሮ ዝቑመቱ ብርኽ ዝበለ ህንጻ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ንምሕዳስ ዝሕግዝ ዓቢ መደያይቦ ከዊልዎ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ። …

Read More »

ኣብዚ ዓመት: 45 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም

ከም ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ፌደሬሽን ጋዜጠኛታት (international federation of journalists – IFJ)  ኣብ 2021፡ 45 ጋዜጠኛታት ስርሖም ኣብዝሰርሑሉ እዋን ከምዝተቐተሉ ተገሉጹ። እዚ፡ IFJ ዓመታዊ ጸብጻባት ምቕራብ ካብዝጀመረሉ ንደሐር፡ እቲ ዝዋሓደ ቑጽሪ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። እታ ኣብዚ ዓመት ብብዝሒ ጋዜጠኛታት ዝተቐተሉላ ሃገር ኣፍጋኒስታን ኮይና፡ ኣብታ ሃገር 9 ጋዜጠኛታት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ። “እዞም ብሰንኪ ጎነጽ ህይወቶም ዝሓለፉ 45 ጋዜጠኛታት፡ እቲ ንሶም ኣብ ዙሪያ ዓለም ብቐጻሊ …

Read More »

ኢራን: ከተወንጭፎ ዝፈተነት ሪኬት ፈሺሉዋ

ብሓሙስ ክትውንጨፍ ተሓሲባ ዝነበረት ናይ ኢራን ሮኬት ፈሺላ። እቲ ውጥን፡ ምስ ሰለስተ መሳርሒታታ ኣብ ዙሪያ ምድሪ ዑደት እንዳገበረት ንምርምር ክትውዕል ተሓሲባ ዝነበረት ሳተላይት ናብ ህዋ ምፍናው እዩ ነይሩ። “ኮይኑ ግና እዚ ክሳኻዕ ኣይከኣለን፡ ምኽንያቱ እታ ሮኬት በቲ ዝድለን ዝኣክልን ናህሪ ናብ ላዕሊ ክትከይድ ብዘይምኽኣላ እዩ” ክብል ወሃብ ቃል ናይ ኢራን ሚኒስተር ምክልኻል  ንናይ መንግስቲ ዜና ማዕከን ኣብዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ …

Read More »

ፊልም No Way Home፡ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ትረክብ

ብተኸታታሊ ካብ እትቐርብ ፊልም ስፓይደር ማን ዝኾነት ለንቅነ ዝቐረበት Spider Man: No way home እትበሃል ፊልም፡ ኣታዊኣ ኣብ ግሎባል ቦክስ ኦፊስ፡ ሓደ ሚልዮን ዶላር ሓሊፉ ምህላዉ ይገልጽ ኣሎ። በዚ ድማ ኣብ ዓመተ 2021 ካብ ዝፈረያ ፊልምታት፡ እታ ዝበዝሐ ኣታዊ ዝረኸበት ፊልም ኮይና’ላ። ቅድሚ እዚኣ The Battle of Lake Changjin ዝተባህለት ፊልም ቻይና 905 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ብምርካብ ናይ 2021 ዝኸበረት …

Read More »

“ኣቦይ ኣፍቃሪን ሓቛፊን እዩ ኔሩ”” ጓል ቱቱ

ጓል ሊቀ ጳጳሳትን ተቓላሳይ ጸረ ኣፓርታይድን፡ ደዝመንድ ቱቱ፡ ኣፍቃሪን ሓቛፊን ኣቦ እዩ ኔሩ ክትብል ጓሉ ገሊጻ። “ኣቦና ቅድሚ ምሟቱ ኣብ ዝነበረት መዓልቲ፡ ኩላትና ደቁ፡ ኣብ ጎድኑ ኔርና ኢና። ኣቦይ ሞቱ ከም ዝመጸ ተረዲእዎ ኣብ ምሉእ ስነ ኣእምሮኣዊ ምድላው እዩ ኔሩ። ምስ ኣምላኹ ክራኸብ ኣብ ምሉእ ምድላው እዩ ኔሩ። ኣቦይ ብፍቕሪ ዝመልአ ሰብ ስለዝነበረ ሰብ ናይ ምሕቋፍ ባህሪ ኔርዎ። እዚ ክናፍቖ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ሓድሽ ዓመት (New Year: The Old Garbage In A New Package)

ጸሓይ ድማ ትበርቕ፡ ጸሓይ ከኣ ትዓርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ክትምለስውን ትቕልጥፍ…….. ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን፡ እዝኒ ከኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን፡ እቲ ዝነበረ ንሱ ኢዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ንሱ ኢዩ መሊሱ ዚግበር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን፡ ይብል ንጉስ ሰሎሞን። ወላ ሓድሽ ዓመት? ከመይ ኢሉ ሓድሽ ነገር ዘየልቦ? ብምባል ዚሓትት ሰብ ኣይሰኣንን። ግን እቲ መጻኢ ወይ ሓድሽ ኢልና እንሰምዮ ነገራት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com