Tuesday , May 21 2024

ውህደት

እስራኤል . . . ሕማም ኢንፍሉወንዛ ኣዕዋፍ ንምክልኻል ትጽዕር

ኣብ እስራኤል፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ታኪን፡ ብለበዳ ኢንፍሉወንዛ ኣዕዋፍ ምሟተን ተፈሊጡ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መዕቆብ ብዝሓ ባህሪ ዝነበራ ልዕሊ 5000 ሳገምቲ ኣዕዋፍ እውን በዚ ሕማም ከም እተቐዝፋ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። ነዚ ኣመልኪታ ሚኒስተር ኣከባቢ እታ ሃገር፡ ትእማር ዛንድበርግ፡ “ኣብ ሃብቲ እንስሳና ዝወረደ ዝኸፍአ ዕንወት” ክትብል ገሊጻ’ላ። በዚ ድማ ስእነት እንቋቖሖ ከየጋጥም ብምባል ሓረስቶት እስራኤል 500 ሽሕ ተወሰኽቲ እንቋቖሖ ክጫጭሑ ለበዋ ቀሪቡሎም …

Read More »

ግብጻዊ ኣፍራዪ መካይን፡ ብጾታዊ ምድፋር ይኽሰስ

ኣብ ግብጺ መካይን ዘፍሪ ፈረንሳዊ ትካል ሲትረን፡ ንስእልታት ደራፋይ ዓምር ዲያብ ከም መወዓውዒ ኣብ ዝተጠቕመሎም ቪድዮታት፡ ጾታዊ ዓመጽ ብምትብባዑ ተኸሲሱ’ሎ። ኣብቲ ቪድዮ፡ ዓምር ብዘይፍቓድ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እናሰኣለ ድሕሪ’ዚ እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ መኪናኡ ተሳፊራ ብሓባር እናኸዱ ከም ዝረኣዩ እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ። እዚ ብ 3 ታሕሳስ እተለቀ ናይ መወዓውዒ ቪድዮ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከቢድ ነቐፌታ ክወርዶ …

Read More »

ውድብ ጥዕና ዓለም . . . ማዕበል ለበዳ ጅር ደልታን ኦሚክሮንን ይመጽእ ኣሎ

ማዕበል ለበዳ ጅር ደልታን ኦሚክሮንን ሓደገኛ ሱናሚ ኮቪድ 19 የስዕብ ምህላዉ ዳይረክተር በዓል መዚ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ገሊጹ። ፈረንሳ ንኽልተ መዓልታት ብተኸታታሊ ኣብ ዝተኸስተ መልከፍቲ 208 ሽሕ ሰባት ከም ዝሓመሙን እዚ ድማ ኣብ ኣውሮጳ ዝበዝሐ ኣሃዝ ለበዳ ምዃኑን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 265,427 ሰባት በዚ ሕማም ከም እተለኽፉ …

Read More »

ሱዳን . . . ኣብ መዐደኒ ቦታ ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሞይቶም

ከም ጸብጻብ እቲ ናይ ዕደና ስራሓት ዘመሓድር ብመንግስቲ ዝውነን ኩባንያ መሰረት፡ ብሰሉስ ኣብ ሓደ ወርቂ ዝዕደነሉ ስፍራ ብዘጋጠመ ምፍራስ ናይቲ ጎዳጉዲ፡ እንተወሓደ 31 ዝኾኑ ዓደንቲ ክሞቱ ከለው 8 ሰባት ድማ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኽቡ ተፈሊጡ። እቲ ሓደጋ፡ ካብ ዋና ከተማ ካርቱም ንምዕራብ ገጽ ኣስታት 500 ኪ/ሜ ርሒቓ ኣብ ትርከብ፡ ኑሁድ ኣብ ጥቓ ትባሃል ከተማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኾይኑ፡ ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ሓደ …

Read More »

ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ኣንቢራቶም ዝነበረት ቀይድታት ኮቪድ፡ ተትርር

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ እቲ ቅድም ክብል ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ናብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ዝግበሩ ጉዕዞታት ዝነበረ መጠንቀቕታ፡ ካብ ምድብ 3 (ዝለዓለ ሓደጋ) ናብ ምድብ 4 (ኣዝዩ ዝለዓለ ሓደጋ) ተኽርሮ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ማልታን ሞልዶቫን እውን ካብ ምድብ 3 ናብ ምድብ 4 ከም ዝተሰጋገራ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ይኹን እምበር፡ ድሮ መብዛሕትአን ኤውሮጳውያን ሃገራት እንትርፊ ኣልባንያን ኮሶቮን፡ ኣብ ምድብ 4 እየን ዝርከባ። ሕቡራት …

Read More »

ሓደሽቲ ናይ መርመራ ሮቓሒታት፡ ንገያሾ ካብ መንገዶም ይመልሶም

ናብ ሽወደን ንምእታው ክማልኡ ዝግበኦም ናይ ኮቪድ መርመራ ሮቓሒታት ብግቡእ ብዘይምትግባሮም፡ ብዙሓት ገያሾ፡ ካብ ኦሬሱንድ ብሪጅ (Öresund Bridge)፡ ናብ ዝመጹሉ ቦታ ንኽምለሱ ከምዝተገደዱ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብዛዕባ እቶም ሓደሽቲ ሮቓሒታት ዘይፈለጡ ገያሾ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ እንደገና ክምለሱ ከምዝተገደዱ ተሓቢሩ። “ሎሚ ሰሉስ መዓልቲ፡ ካብ ትማሊ ዝበዝሕ ቁጽሪ ዘለዎም ገያሾ ክንመልስ ተገዲድና ኢና። ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ጥራሕ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ነፍሰ-ጾራት ዝግበር ኣድልዎ፡ ኣተክሮ ክግበረሉ ይግባእ ተባሂሉ

ንስራሕ ኣብ ዘመልክታሉ እዋን ኣብ ልዕሊኤን ኣድልዎኣዊ በደል ንዝተፈጸመን ወይ ድማ ብሰንኪ ኩነታተን ንኽሰርሓ ዘይተፈቐደለን ብዝሒ ዘለወን ነፍሰ-ጾር ደቂ ኣንስትዮ፡ ካሕሳ ክኽፈለን ከምዝግብኦ ተገሊጹ። ከምዚ ክብል ኣብ ዳጌንስ ኒሄተር (Dagens Nyheter) ተባሂሉ ዝፍለጥ ጋዜጣ ዘስፈረ ተሓላቒ መሰላትን ኣድልዎን (The Non-Discrimination Ombudsman) ላሽ ኣርሄኒዩስ (Lars Arrhenius) እዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “Do ብመሰረት እቲ  መምርሒ ፍቓድ ናይ ወለዲ (Parental Leave …

Read More »

Harmony Media News 29/12/2021

Read More »

ኣብ ኣመሪካን ፈረንሳን ቊጽሪ ሕሙማት ኮቪድ፡ ይውስኽ

ካብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ንደሓር፡ ኣመሪካን ፈረንሳን ኣብ መዓልቲ ዝበዝሑ ቊጽሪ ሕሙማት ጅር ኦሚክሮን የመዝግባ ምህላወን ካብተን ሃገራት ዝወጹ ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ብመሰረት ማእከል ምክልኻልን ምቊጽጻርን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብሰኑይ ጥራይ፡ ልዕሊ 440 ሽሕ ሕሙማት ኦሚክሮን ከም ዝተረኽቡ ገሊጹ። እዚ ይዂንምበር፡ ብምኽንያት ክሪስማስ ጸብጻባት ይድንጒዩ ብምህላዎም እዚ ኣሃዝ ካብቲ ክዉን ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ይገልጹ’ለዉ። …

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ . . . ቤት ፍርዲ፡ ዳህሳስ ነዳዲ፡ ደው ክብል ኣዚዙ

ኲባንያ መፍረ ነዳዲ፡ ሼል፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዝነበረ ዳህሳስ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ክቋረጽ ከም እተገብረ ተገሊጹ። ተጣበቕቲ ሓለዋ ኣከባቢ፡ እዚ ዳህሳስ ንማያዊ ህይወት እቲ ከባቢ ክሃሲ እዩ ብምባል ነቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ’ለዉ። ኲባንያ ሼል፡ ብምኽንያት እዚ ውሳነ፡ ንዋኒኑ ከም ዝሰረዞ እኳ እንተገለጸ ሚኒስተር ጸዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ግና “ሃገርና ዘለዋ ሃብቲ ነዳዲ ከይትጥቀም ኮነ ኢልካ ዝዋደድ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com