Tuesday , May 21 2024

ውህደት

ናብ ዴንማርክ ንምእታው፡ ኣሉታዊ ምስክር መርመራ ኮቪድ ክሕተት ምዃኑ ተሓቢሩ

መንግስቲ ዴንማርክ፡ ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ክታበት ንዝወሰዱን ዘይወሰዱን ገያሾ፡ ካብ ኮቪድ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ መርመራ ወረቐት ከቕርቡ ንኽግበር ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብተወሳኺ’ውን መንግስቲ ዴንማርክ፡ ነቶም ኣብ ስፖርታዊ ኣደራሻት ንጥፈታቶም ዘካይዱ ሰባት፡ ብጉዳይ ኮቪድ፡ ኣስተምህሮ ክወሃቦም ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ብሚኒስተር ጥዕና፡ ማግኑስ ሄውኒከ፡ ዝቐረበ እማመ፡ ቅድሚ ምትግባሩ፡ Folketing’s Epidemic Committee ብዝባሃል ኣካል ኣቢሉ ክጸድቕ …

Read More »

ምትሕብባር ሃገራት ኖርዲክ . . . 2ይ ክፋል . . . ሚኒስትሪታት ቤት ምኽሪ ሃገራት ኖርዲክ

ምትሕብባር ሃገራት ኖርዲክ፡ ኣብ ዓመተ 1971 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኖርዲክ ዝግበር ምትሕግጋዝ እዩ። እዚ ምትሕብባር ሃገራት ኖርዲክ፡ ሽሙ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ቤት ምኽሪ ሚኒስትሪ ዘይኮነስ ብርክት ዝበሉ ቤት ምኽሪታት እዮም። እቲ ንሓደ ንጹር ፖሊሲ ዝምልከት ሚኒስትሪታት ሃገራት ኖርዲክ፡ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትሪታት ኣብ ሓደ ዓመት ጥራሕ፡ ብርክት ዝበለ ግዜ ይእከብ። እዚ መስርሕ ዘይምልከቶም ቤት ጽሕፈታት፡ ካብዚ …

Read More »

ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ን 9 ኣዋርሕ፡ ዘገልግል ዕድመ ክህልዎ እዩ፡ ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ዘመሓላለፎ መምርሒ፡ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን፡ ንጉዳይ ናይቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጥቀምሉ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ብዝምልከት፡ ናይ ኣገልግሎት ዕድሚኡ፡ 9 ኣዋርሕ ንክኸውን እማመ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብደረጃ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝግበሩ ጉዕዞታት፡ ውሑስ ምእንቲ ክኾኑ፡ እቶም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝዋሃቡ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ናይ ብቕዓት ግዜ ተመሳሳሊ ክኸውን ኣድላይ …

Read More »

ኒው-ዮርክ . . . ክታበት ዘይወሰዱ ሰባት፡ ካብ ስራሕ ተኣጊዶም

ከተማ ኒው-ዮርክ፡ ዘይተኸትቡ ሰባት ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ምብጻሕ ክኽልክላ ንኩለን ናይ ግሊ ኩባንያታት ጠሊቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ኣስታት 184.000 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ከም ዝወሰዱ ዘረጋግጽ መርትዖ ከቕርቡ ከምዘለዎም ተሓቢሩ፡ ፡ እቶም ድሮ ሓደ ክታበት ጥራይ ዝወሰዱ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ነቲ ካልኣይ እብረ ክታበት ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልታት ክወስድዎ ከም ዘለዎም መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ፡፡ ኣስራሕቲ፡ …

Read More »

ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ፡ ኣብ ልዑል ደረጃ ይርከብ

ዋላኳ ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ ገና ብክብ ዝበለ ደረጃ ይቕጽል እንተሃለወ፡ ኣብ ንቡር ደረጃ ከም ዝርከብ እዩ ዝሕበር ዘሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ሶኑይ መዓልቲ፡ መዓልታዊ ህይወት ከም ብሓድሽ ክጅምር እንከሎ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ኖርድፑል ዘሎ መምዘኒ ምልውዋጥ ዋጋታት ሃልኪ ኤለክትሪክ፡ ኣብተን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዝርከባ ክልተ ናይ ዕዳጋ ዞባታት ማለት ስቭያላንድን ደቡብን፡ ንሓደ ኪሎዋት ኣብ ሰዓት ዝግበር ወጻኢ 1.54 …

Read More »

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና፡ ተኣፈፍቲ ህጻናት ክትባት ክወስዱ ይግባእ

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ኮሚርናቲ (Comirnaty) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክትባት፡ ካብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ንዘለው ንኽውሃብ ተፈቒዱ ከምዘሎ ተገሊጹ። ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን (Public Health of Sweden)፡ እዚ ክትባት ብፍላይ ነቶም ናይ ላዕለዋይ ኣካላት ናይ ምትንፋስ ጸገም ንዘለዎም ተኣፈፍቲ ህጻናት ንኽዋሃብ ከምዝሓበረ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ መጠን ናይ ክትባት ድማ ካብቶም ንደቂ 12 ዓመት ዝመልኦም …

Read More »

ብምኽንያት ምልዋጥ ክሊማ፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ይብእስ ኣሎ

ኣብ ዓመተ 2021፡ ብምኽንያት ምልዋጥ ክሊማ ዘስዓቦ ሓደገኛ ኲነታት ኣየር፡ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ከም እተዘናበለ ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እዚ ክሪስቻን ቻሪቲ ኤይድ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መጽናዕቲ፡ 10 ምስዚ ኲነት ዝተዛመዱ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ድሕሪ ምዝርዛር ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ወሪዱ ምህላዉ ጸብጺቡ’ሎ። ብፍላይ እቲ ንኣመሪካ ዘጥቅዐ፡ ማዕበል ኢዳ፡ ዝበዝሐ ፋይናንሳዊ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣህጒር …

Read More »

ምትሕብባር ሃገራት ኖርዲክ . . . 1ይ ክፋል . . . ቤት ምኽሪ ሃገራት ኖርዲክ 

ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ዞባውያን ምትሕብባራት፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኖርዲክ ሃገራት ዘሎ ወግዓዊ ምትሕግጋዛት ካብቶም ገዳይምን ዓቢ ጽልዋ ዘለዎምን፡ ሓደ፡ እዩ። እዚ ፖለቲካዊ ምትሕብባር፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ባህግታትን ዝተመስረተ ኾይኑ፡ ውዕዉዕ ዝኾነ ምዕባለን ናይ ኖርዲክ ሃገራት ተወዳዳራይነትን ተሞክሮን ንኸበርክትን ውጽኢት ንኸፍሪን ዝዓለመ ምትሕብባር እዩ። እቲ ኣብ ዓመተ 1952 ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ሃገራት ኖርዲክ፡ ካብ ዴንማርክ፣ ፊንላንድ፣ ኣይስላንድ፣ ኖርወይ፣ ሽወደን፣ …

Read More »

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ገለ ቦታታት እገዳታት ተኣዊጆም

ኣብ ዌይልስ፣ ስኮትላንድን ሰሜናዊ ኣየርላንድን ‘Boxing Day’ ተባሂሉ ኣብዝፍለጥ ስፖርታዊ ቅነ፡ ሓደሽቲ እገዳታት ክትግበሩ ምዃኖም  ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ለይታዊ ቤት ትልሂታት ይዕጸዉ፣ ናይ ርሕቀት ሮቓሒታትን መስርሓትን ይትግበሩ፣ ከምኡ ውን ናብ ባራት ዝኣትዉ ቁጽሪ ናይ ሰባት እንዳነከየ ክኸይድ ይግበር ከምዘሎ፡ ስካይ ኒውስ ስፖርት ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ምልባዕ ኦሚክሮን ጅር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኣወጁ …

Read More »

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሚያንማር ዝተፈጸመ ህልቂት ክጻረ ይጽውዕ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓርቢ መዓልቲ ዝተፈጸመ ህልቂት ናይ 35 ሰላማውያን ሰባት ኣመልኪቱ፡ መንግስቲ ሚያንማር መርመራ ንኽገብር ኣታሓሳሲቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “ሰብ መዚ ሚያንማር፡ ነቲ ፍጻሜ ኣመልኪቶም ጽዑቕን ተኣማኒን ዝኾነ መርመራ ብህጹጽ ንኸካይዱ ይጽውዕ” ክብል ዋና ሴክሬታሪ (Secretary of State) ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማርቲን ግሪፊትስ፡ ኣታሓሳሲቡ። ግሪፊትስ ወሲኹ’ውን፡ ክልተ ናይ ’ሰይቭ ዘ ቺልድረን’ (Save the Children) ሰራሕተኛታት ረዲኤት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com