Friday , April 26 2024

ውህደት

ቅልውላው ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ዩክሬይን ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ክብል ሓደ ክኢላ ገሊጹ። ሰብመዚ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ምኽታት ሩስያ ጽንክር ዝበለ መርገጺ ዝወሰዱሉ ምኽንያት በዚ እዩ ክብል እቲ ክኢላ ወሲኹ ኣብሪሁ። ኣባል ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን ዝኾነ ያን ሃለንበርግ ነቱ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኔቶ ዘቕረበቶ ጠለብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሩስያ ነቲ ወተሃደራዊ ጥምረት ክትጽንበሮ ምንም …

Read More »

ምሉእ ኲናት ክኽሰት ተኽእሎታት ኣሎ-ዎልፍጋንግ ኢሺንገር::

ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ንጸጥታ ዝመልከት ጒባኤ ዝመርሕ ዘሎ ኣቦመንበር ጸጥታ ሙኒክ ዎልፍጋንድ ኢሺንገር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን መጥቃዕቲ ክትፍኑን እዚ ድማ ናብ ምሉእ ኲናት ከምርሕ ከም ዝኽእልን ሻቕላ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ኣብዘን መዓልታት ብዛዕባ ልዝን ዘተን ክሰምዕ ባህጉ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ጸሓፊ እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዘሎ ኲነታት ምስዚ ባህጊ ዝሰማማዕ ከም ዘይኮነ ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ። …

Read More »

ሚኒስተር ነዳዲ ኖርወይ Marte Mjøs Persen ብ ኮቪድ-19 ተለኺፋ።

ሚኒስተር ጸዓትን ነዳዲን ኖርዌይ Marte Mjøs Persen (AP) ብሕማም ኮቪድ ከም እተለኽፈት ተገሊጹ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ብኮቪድ-19 ሚኒስተራት እታ ሃገር ክልከፉ ንሳልሳይ ግዜኡ እዩ። “ሚኒስተር Mjøs Persen ንገዛእ ርእሳ መርሚራ ነጋቲቭ ውጽኢት ረኺባ እኳ እንተነበረት ትማል ቀትሪ ድሕሪ ዝገበረቶ መርመራ ግና በቲ ሕማም ከም እተለኽፈት ከም እተረጋገጸ ኣብ ሚኒስትር ጸዓትን ነዳኢ ዘይትን ሓላፊ ጒዳያት ፕረስ ቶር በከት ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ።. …

Read More »

ሚኒስተር ባህሊ ኖርዌይ ንኢንዱስትሪ ፊልምን ተዋሳእቲን እታ ሃገር ክሕግዝ እየ ይብል።

ሚኒስተር ባህሊ ኖርዌይ ኣኔት ትሬተበርግስቱወን ኣብ ዓመታዊ ስነስርዓት ኦስካር ይሳተፉ ንዘሎ ኢንዱስትሪ ፊልም ኖርዌይ ንምትብባዕ ናብ ሆሊዉድ ክትከይድ እያ ተባሂሉ። Verdens Verste Menneske (ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብ) ዘርእስታ ፊልም ኖርዌይ ኣብ እትሽለመሉ ኣጋጣሚ እትርከብ ዘላ ትሬተበርግስቱወን ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ እተረኽበት ፋልመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ ክትከውን እያ። እዛ ፊልም ብኽልተ ረቛሒታት–ማለት International Feature Film ከምኡውን “ዝበለጸ መበቈላዊ ጽሑፍ ፊልም” ን ኦስካር …

Read More »

ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ን ውሳነ ስወዳቭያ ክምርምሮ እየ ኢሉ።

ስወዳቭያ ን መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ ቻይና ጥቡቕ ዝምድና ምስ ዘለዎ ኲባንያ ቻይና ውዕል ብምፍጻሙ ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ንውሳነ ስወዳቭያ ክምርምሮ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ውዕል ናይ Xray ማሽናት፥ ስካነራትን ነተጒቲ ዝፍትሽ መሳርሒታትን ብሕስር ዝበለ ዋጋ ዝቕርብ ብምዃኑ ጸጥታዊ ኣገልግሎት ንምድንፋዕ ተመራጺ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ 10 ኣዝየን ንጡፋት መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ዘመሓድር ኲባንያ ስወዳቭያ ገሊጹ’ሎ። ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን እዚ …

Read More »

ናስሉንድ ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ።

ሽወደናዊት ሳንድራ ናስሉንድ ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዊንተር ኦሊምፒክስ ብውድድር ምንሽርታት በረድ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኮይና። 25 ዝዕድሜኣ ናስሉንድ ኣብዚ ውድድር ካብ 11 ነተን 10 ብምዕዋት እያ ናይ መዛዘሚ ግጥም ሓሊፋ። “ንዂሎም ኣብዚ ጒዕዞ ምሳይ ዝነበሩን ዝሓገዙንን ኣዝየ ከመስግኖም እደሊ። ብሓቂ ዘሐብን እዩ” ክትብል ናስሉንድ ሓጎሳ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኲባንያታት ኣብ ጥዕናን ድሕነትን ሰራሕተኛትት መበጻጽሕቲ ኣቕሑ ሓላፍነት ኣይክወስዳን እየን።

ገለ ኣፕ ካምፓኒስ እናበላ ንገዛእ ርእሰን ዝጽውዓን ንሰራሕተኛታት ብ ዲጂታላዊ ኣገባብ ኣቢለን ብተራ ዘረባታት ክማርኻ ዝፍትናን ኲባንያታት ከም ቁጸርቲ ከም ዘይሕሰባን ኣብ ጥዕናን ድሕነትን ሰራሕተኛትት መበጻጽሕቲ ኣቕሑ ሓላፍነት ከም ዘይወስዳን ተገሊጹ። እዚ ዝበለ በዓልመዚ ኣከባቢ ስራሕ ሽወደን ናብ መንግስቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ እዩ። ሕጂ ዘሎ ሕጊታት ኣብ ከምዚ ዝበሉ ኲባንያትታ ንዝሰርሑ ሰባት ውሑስ ኣከባቢ ንምፍጣር እዂል ኣይኮነን ክብል እቲ በዓልመዚ …

Read More »

ዴንማርክ፥ ጋግ ጸጋ ዕድመ ጾታታት ይጸብብ ምህላዉ ተመልኪቱ።

ኣብ ዴንማርክ መዋእል ዕድመ ዜጋታት ብማእከላይ ገምጋም 79.6 ዓመት ንደቂረባዕትዮ ናይ ደቀንስትዮ ኸኣ 83.4 ዓመት ምዃኑ ሓድሽ ስታቲስቲካዊ ጸብጻብ እታ ሃገር ኣመልኪቱ። ካብ 1990ታት ንደሓር ንውሓት ዕድመ ዴንማርካውያን ክውስኽ ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እዚ ንክኸውን ምዕባለ ህዝባዊ ጥዕናን ኣማራጺታትን ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ምግባሮም ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ንውሓት ዕድመ ደቂተባዕትዮ ምስናይ ደቀንስትዮ እንክወዳደር ዕቤት ምርኣዩን እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ጾታታት …

Read More »

ሩስያ፥ “ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንዩክሬይን ኣይክወርርን እየ”።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ክትፍጽም ትኽእል እያ ዝብል ዘረባ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ቪላድሚር ቺዞቭ ኣፍሊጡ። ጋዜጣ New York Times ንገለ ስለያዊ ምጪታት ኣመሪካ ብምጥቃስ ሩስያ ረቡዕ 16 ለካቲት ን ዩክሬይን ክትወርራ ትኽእል እያ ዝብል ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። “ሩስያ ን ዩክሬይን ክትወርር ምንም ባህጊ የብላን” ክብል እቲ ልኡኽ ኣን Der Welt …

Read More »

ሰልፊታት ሽወደን ኣብ ጒዳይ ሓገዝ ዩክሬይን ይፈላለያ።

ኲለን ፖለቲካዊ ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ነቲ ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን እትገብሮ ዘላ ገዚፍ ምኽታት ሰራዊት ኮኒነን ኣብ ጎድኒ ሃገር ዩክሬይን ደው ከም ዝብላ እየን ዝገልጻ። እንተኾነ ግና እዚ ደገፍ ብኸመይ ክግለጽ ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝፈላለያ ተገሊጹ። ገሊኣተን ቊጠባዊን ሞራላዊን ሓገዝ ጥራይ እዂል እዩ ክብላ እንከለዋ ዝተረፋ ድማ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ዝብል መርገጺ ብምሓዘን ምፍልላይ ከም እተራእየ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com