Tuesday , April 30 2024
(AP Photo/Thibault Camus, Pool) PAR120

ሩስያ፥ “ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንዩክሬይን ኣይክወርርን እየ”።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ክትፍጽም ትኽእል እያ ዝብል ዘረባ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ቪላድሚር ቺዞቭ ኣፍሊጡ። ጋዜጣ New York Times ንገለ ስለያዊ ምጪታት ኣመሪካ ብምጥቃስ ሩስያ ረቡዕ 16 ለካቲት ን ዩክሬይን ክትወርራ ትኽእል እያ ዝብል ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። “ሩስያ ን ዩክሬይን ክትወርር ምንም ባህጊ የብላን” ክብል እቲ ልኡኽ ኣን Der Welt ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። “ኲነታት ኣብ ዝመጽእ ሰሙን፥ ወይ ካብኡ ቀጺሉ ኣብ ዝህሉ ሰሙን ወይውን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ዝኸፍአ ዝዓርገሉ ምኽንያት የለን፥ ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ረቡዕ መዓልቲ ዝጅመር ኲናት ሃልዩ ኣይፈልጥን እዩ” ክብል ንዝተፈላለያ ትንተናታት ውዱቕ ጌርዎ’ሎ። ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ብራስለስ እውን ተመሳሳሊ መግለጺታት ምሃቡ ዶቼቬለ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com