Friday , April 26 2024
(AP Photo/Erika Kinetz) RPEK502

ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ን ውሳነ ስወዳቭያ ክምርምሮ እየ ኢሉ።

ስወዳቭያ ን መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ ቻይና ጥቡቕ ዝምድና ምስ ዘለዎ ኲባንያ ቻይና ውዕል ብምፍጻሙ ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ንውሳነ ስወዳቭያ ክምርምሮ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ውዕል ናይ Xray ማሽናት፥ ስካነራትን ነተጒቲ ዝፍትሽ መሳርሒታትን ብሕስር ዝበለ ዋጋ ዝቕርብ ብምዃኑ ጸጥታዊ ኣገልግሎት ንምድንፋዕ ተመራጺ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ 10 ኣዝየን ንጡፋት መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ዘመሓድር ኲባንያ ስወዳቭያ ገሊጹ’ሎ። ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን እዚ ውዕል ምስ ሕጋጋት ሽወደን ብዝሰማማዕ ኣገባብ ድዩ ተኻይዱ ንምርግጋጽ መርመራ ኣብ ምክያድ ከም ዝርከብ ምግላጹ ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com