Monday , April 29 2024
People protests against the October military coup and subsequent deal that reinstated Prime Minister Hamdok in Khartoum, Sudan, Monday, Dec. 6, 2021. (AP Photo/Marwan Ali) DV103

ሱዳን . . . ኣብ መዐደኒ ቦታ ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሞይቶም

ከም ጸብጻብ እቲ ናይ ዕደና ስራሓት ዘመሓድር ብመንግስቲ ዝውነን ኩባንያ መሰረት፡ ብሰሉስ ኣብ ሓደ ወርቂ ዝዕደነሉ ስፍራ ብዘጋጠመ ምፍራስ ናይቲ ጎዳጉዲ፡ እንተወሓደ 31 ዝኾኑ ዓደንቲ ክሞቱ ከለው 8 ሰባት ድማ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኽቡ ተፈሊጡ።
እቲ ሓደጋ፡ ካብ ዋና ከተማ ካርቱም ንምዕራብ ገጽ ኣስታት 500 ኪ/ሜ ርሒቓ ኣብ ትርከብ፡ ኑሁድ ኣብ ጥቓ ትባሃል ከተማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኾይኑ፡ ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ሓደ ሰብ ጥራሕ ከምዝደሓነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ 4 ዓደንቲ ኣብዚ ቦታ’ዚ ሞይቶም’ዮም። ድሕሪ’ዚ፡ ድሕነት ናይቲ ዕደና ዝካየደሉ ስፍራ ክሳብ ዝማሓየሽ እቲ ቦታ ብመንግስቲ ክዕጾ ተገይሩ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።
ኣብ ሱዳን፡ ናይ ናእሽቱ ብርኪ ዕደና ናይ ወርቂ ብሰንኪ ሕጽረት ውሑስ ናይ ስራሕ ሃዋሁው፡ ሓደገኛ ሞያ እዩ። ኣስታት 2 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ እታ ሃገር፡ ብኢድ ብዝሰርሑ ቐለልቲ መሳርሕቲታ ኣብ ዕደና ወርቂ ዝነጥፍ ምዃኑ ተገሊጹ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com