Wednesday , May 22 2024

ውህደት

ቱኒዝያ . . . ሚኒስተር ነበር፡ ብግብረሽበራ ይጥርጠር

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ነበር፡ ብግብረሽበራዊ ንጥፈታት ከም ዝጥርጠር ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ቱኒዝያ፡ ቶፊቕ ሸረፈዲን፡ ገሊጹ። ኣባል ሰልፊ ኣ’ናህዳ ዝኾነ፡ ኑረዲን ብሂሪ፡ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ሚኒስተር ቶፊቕ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ፡ ግብረመልሲ ንኽወስዱ ዝድርኹ ናይ ሽበራ ስራሓት ይካየዱ ምህላዎም ጸብጻብ ከም ዝበጽሖ እዩ ዝገልጽ። ፕረዚደንት፡ ቓይስ ስዒድ፡ …

Read More »

ጊኒ . . . ተቓዋሚ ሰልፍታት፡ ሲቪላዊ መንግስቲ ክምስረት ይጽውዕ

ልዕሊ 100 ዝኾና ፖለቲካውያን ሰልፊታት ጊኒ፡ እቲ ኣብ መስከረም ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ ስርዓት፡ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምለስ ድሌት ከም ዘለወን መራሒ ዋና ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ሓቢሩ። ሴሉ ዳሌን ዲያሎ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር፡ ብእኩብ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምስግጋር ዘኽእል ናይ ግዜ ሰሌዳ ከም ዘቐመጣ ሓቢሩ’ሎ። ቊጠባዊ ማሕበረሰብ፡ መንግስታት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኣ.ጎ.ዋ) ብወገኑ ኣብ …

Read More »

ሞዛምቢክ . . . ፕረዚደንትን በዓልቲ ቤቱን ብሕማም ኮቪድ ተታሒዞም

ፕረዚደንት ሞዛምቢክ፡ ፊሊፕ ኙሲን፡ ቀዳመይቲ ወይዘሮ፡ ኢሳውራ ኙሲን፡ ብኮቪድ ተታሒዞም ኣብ ውሸባ ምህላዎም ተፈሊጡ። ፕረዚደንትን በዓልቲ ቤቱን ብመሰረት መምርሒ ጥዕና እታ ሃገር ፖሲቲቭ ኮይኖም ብምርካቦም ዋላ’ውን ምልክታት እቲ ሕማም ኣየርእዩ ኣብ ውሸባ ክጸንሑ ተጌሩ ምህላዉ ካብ ቤት ዝሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ድሕሪ ዝካየድዎ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኲነታት ጥዕናኦም ክምርምሩ ምውሳኖም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ኣብ …

Read More »

እስራኤል . . . ልዕሊ 60 ንዝዕድሜኦም፡ ራብዓይ ብልቃጥ ክትህብ ጀሚራ

እስራኤል፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሜኦም ንኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሳልሳይ ብልቃጥ ክትባት ወሲዶም ንዝጸንሑ ሰባት፡ ራብዓይ ብልቃጥ ክታበት፡ ክትዕድል ምጅማራ ተገሊጹ። እቶም እዚ ክትባት ዝምልከቶም ዜጋታት፡ ኣብ ማእከላት ጥዕና ሪጋ ሒዞም ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ። ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ነዚ ራብዓይ ብልቃጥ ክወሃብ ድሕሪ ምኽታሞም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነፍታሊ በነት፡ ዜጋታት ሓድሽ ድርዒ መከላኸሊ ክህልዎም ምዃኑ ብተሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ …

Read More »

Harmony Media News 03/01/2022

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ናብ ህንጻ ባይቶ: ሓዊ ዘሳወረ ሰብ ተታሒዙ

ኣብ ከተማ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ ህንጻ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ: ባርዕ ብምስዋር ዕንወት ዘውረደ ዜጋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ምንጪታት ኣመልኪቶም። እዚ ዜጋ: ባርዕ ብምስዋር፥ ቤት ሴርካ ብምእታውን ስርቅን ክሲ ቀሪብሉ ምህላዉን ጽባሕ ሰሉስ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑን ኣፈኛ ፖሊስ ገሊጹ’ሎ። ሰራሕተኛታት ባርዕ ሓዊ: ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ: ሰዓታት ከም ዝወሰደሎም ጸብጻብ BBC ኣመልኪቱ። ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ: ሲሪል ራማፎሳ: …

Read More »

ሱዳን: ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ: ስልጣኑ ሓዲጉ

ኣብ ከተማ ካርቱም ድሕሪ ዝተኻየደ ገዚፍ ህዝባዊ ተቓውሞ: ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን: ዓብደላ ሓምዶክ: ብፍቓዱ ስልጣኑ ምሕዳጉ ኣፍሊጡ’ሎ። ሓምዶክ: ምስቲ ኣብ ወርሓ ጥቅምቲ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየደ ሰራዊት እታ ሃገር ዝኣተዎ ስልጣን ናይ ምምቓል ኪዳን: ብህዝቢ: ዓብዪ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ዝፍለጥ እዩ። እቶም ተቓወምቲ “ስልጣን ናብ ህዝቢ ይመለስ” ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ኣብ ጎደናታት ወጺኦም እናተቓወሙ ብሰራዊት እታ ሃገር ብዝተገብረ ተዂሲ ክልተ ሰባት …

Read More »

እስራኤል: ሀርድ ኢምዪኒቲ ክትበጽሕ ትኽእል እያ ተባሂሉ

እስራኤል ምስ ምምጻእ ማዕበል ኦሚክሮን ሀርድ ኢምዩኒቲ ከተማዕብል ከም እትኽእል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ። እታ ሃገር: ነዚ ክትረክብ ዋጋ ክትከፍል ከም እትኽእል ዝገለጸ: ናኽማን ኣሽ: ኣብ ክንዲ እዚ ሀርድ ኢምዩኒቲ ብክትባት ኣቢሉ ክመጽእ ከም ዝመርጽ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ክሳብ ምውዳእ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ 4 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት በዚ ሕማም ክልከፉ ከም ዝኽእሉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር …

Read More »

ሓያል ንፋስ – ኣውቶቡሳት ካብ መንገዲ ተጸፊዐን ተኣልየን

ብሰንበት ንጉሆ፡ ኣብ ሰሜን ኖርወይ: ክልተ ኣውቶቡሳት ብሰንኪ ሓያል ንፋስ፡ ካብ መንገዲ ወጻኢ ከምዝተደፍኣ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከቢድ ጉድኣት ከም ዘይበጽሐ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እታ ሓንቲ ኣውቶቡስ ኖርድላንድ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሃድሰል (Hadsel) መተሓላለፊ ጎዳና E10 ሜሪላንድ ኣብ ዝባሃል ቦታ ኣብ ዝርከብ ጉድጓድ ከምዝኣተወት ተፈሊጡ። “ምስቲ መራሒ ኣውቶቡስ ርክብ ነይሩና። ጸፍዒ ንፋስ ነታ ኣውቶቡስ ካብ …

Read More »

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ንሰለስተ ሃገራት ካብ ውዕል ንግዲ ትግልፍ

ኢትዮጵያ፡ ማሊ ከምኡ ውን ጊኒ: ካብ ሎሚ ንደሓር ኣካል ናይ`ቲ ኣብ መንጎ ሕ.መ.ኣ.ን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተገብረ ናይ ንግዲ ውዕል ማለት ኣ.ጎ.ዋ. (Agoa) ኪኾና ከም ዘይክእላ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሕጊ ዕብየትን ዕድልን ኣፍሪቃ ማለት ኣ.ጎ.ዋ. ኣብ 2000 ዓ.ም. ባኣላይነት ቢን ክሊንተን`ዩ ተኣታትዩ፡፡ እዚ ንግዳዊ ውዕል`ዚ: ምስ ትግባረ ሰብኣዊ መሰላትን መንግስትን ድሕነት ሰራሕተኛታት ብኸመይ ከም ዝሕሉን ዝተታሓሓዙ ተቓረንቲ ቅድመ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com