Monday , April 29 2024
Emergency services work to extinguish the fire at South Africa's Parliament Building in Cape Town. (AP Photo/Leon Knipe) CPN108

ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ናብ ህንጻ ባይቶ: ሓዊ ዘሳወረ ሰብ ተታሒዙ

ኣብ ከተማ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ ህንጻ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ: ባርዕ ብምስዋር ዕንወት ዘውረደ ዜጋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ምንጪታት ኣመልኪቶም።

እዚ ዜጋ: ባርዕ ብምስዋር፥ ቤት ሴርካ ብምእታውን ስርቅን ክሲ ቀሪብሉ ምህላዉን ጽባሕ ሰሉስ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑን ኣፈኛ ፖሊስ ገሊጹ’ሎ። ሰራሕተኛታት ባርዕ ሓዊ: ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ: ሰዓታት ከም ዝወሰደሎም ጸብጻብ BBC ኣመልኪቱ። ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ: ሲሪል ራማፎሳ: “እዚ ዘሕዝንን ኣዕናዊን ክስተት እዩ” ድሕሪ ምባል ስራሕ ባይቶ ክቕጽል ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ።

ካብቲ ህንጻ ገዚፍ ጸሊም ትኪ ክወጽእ ዘርእዩ ስእሊታት ትማል ሰንበት ክዝርግሑ ውዒሎም ኣለዉ። እቲ ባርዕ: ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ከም እተወልዐን ናብ ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ ከም ዝተላብዐ ሰብመዚ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com