Sunday , May 19 2024

ዜና

ጉዳይ ፖሊሲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኣሜሪካ

ሓድሽ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ብ ኣህጒራዊ ጒጅለታት ረድኤት ናብ ስርሓት ምንጻል ጥንሲ ዘሳልጣ ትካላት ጥዕና ዝፈስስ ዝነበረ ንዋይ ደጊሙ ምኽፋቱ ተጣበቕቲ ጾታዊን መፍረኣዊን ጥዕና ብሓጎስ ከም እተቐበልዎ ተገሊጹ። ኣብ 2017 ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ነዘን ጸረ ጥንስን ውሑስ ምብርዓን ጥንሲን ዝህባ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ዘውሕዞ ዝነበረ ንዋይ ብምዕጋቱ እዘን ትካላት ክዕጸዋ ተጌረን ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ። ሓላፊት …

Read More »

ወኪል ስለያ ደቡብ ኣፍሪቃ: ብብልሽዋና ይኽሰስ

ወኪል ስለያ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረሲደንት እታ ሃገር ነበር ጃኮብ ዙማ ካብ መርመራ ብልሽውና ንምክልኻል ኣብ ዝግበሩ ዝነበሩ ስቱራት ስርሒታት ሚልዮናት ዶላራት ከም ዝባኸነ ቢቢሲ ገሊጻ። እዞም ክሲታት በቶም ኣብ መርመራ ብልሽውና ዝዋፈሩ ትካላት ዝወጹ ምዃኖም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ኣብዚ ክሲ ደያኑን ጋዜጣታትን እታ ሃገር እቱዋት ከም ዝኾና ወሲኹ ሓቢሩ። በዚ ድማ ፕረሲደንት ዙማ ነቲ ሃገራዊ ትካል ዝኾነ ወኪል ስለያ ናይ …

Read More »

ናይ ኣመሪካ መንኰርኰር ጠፈር ማርስ ክትበጽሕ ሰለስተ ሳምንታት ጥራይ እዩ ተሪፉዋ ዘሎ ተባሂሉ።

መንኰርኰር ጠፈር ኣመሪካ ዝኾነይ ፐርሰቨራንስ ሮቨር ካብታ ቀያሕ ፕላኔት እናተባህለት እትጽዋዕ ማርስ ንምብጻሕ 4.5 ሚልዮን ኪሎሜትር ርሕቀት ጥራይ ከም ዝተረፋን ብቕልጣፈ ነዚ ርሕቀት ኣብ ምሽፋን ምህላዋን ቢቢሲ ገሊጻ። እዛ ዝዓበየትን ኣዝያ ዝተረቐቐትን ምዃና እተነግረላ ቬይክል ኣብ ካልእ ፕላኔት ዝዓለበት ፋልመይቲ መንኰርኰር ክትከውን እያ ዝብል ግምት ከም ዘሎን  ጀዜሮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዞባ ማርስ ክትዓልብ ከም ዝኾነትን ድማ ተገሊጹ። እዛ መንኰርኰር …

Read More »

Harmony Media…….. ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን …….. ምስ መምህር ሃገር ተኽላይ

Read More »

Harmoy media News 29/ 01/ 2021

Read More »

ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ሰባት፡ ምስክር መርመራ ኮሮና ከምዘድልዮም ተሓቢሩ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዝተረረ ቀይድታት ብምምሕልላፍ፡ ነቶም ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ክህልዎም ከምዝግባእ ምኽሩ ኣመሓላሊፉ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና፡ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ንምርካብ፡ ሎሚ ጠለቡ ከምዘቕረበ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ። ባህርያት ናይዚ ቫይረስ ተለዋዋጢ ብምዃኑ፡ ዘይተፈልጡ ሓደስቲ ዓሌታት ቫይረስ ክህሉዉ ስለዝኽእሉ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዝተረረ ቀይድታት ንኸመሓላልፍ …

Read More »

ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ንክታበት ኣስትራ ዘኒካ ኣፍልጦ ሂብዎ

ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት (EMA)፡ ንፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝኾነ ክታበት፡ ኣፍልጦ ከምዝሃበን፡ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ከምዘፍቀደን ሓቢሩ ክብል ስቬኒስካ ዳግብላደት ንሓደ ኤውሮፓዊ ምንጪ ብምጥቃስ ኣመሓላሊፉ። ብምሉአን እተን ውዕል ዝተፈራረምናየን ኩባንያታት፡ ፍርያት ክታበተን፡ ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ተፈላጥነት ብምርካበን፡ ሑጉሳት ኢና። ሕጂ ተሪፉ ዘሎ፡ መስርሕ ምርኽኻብ እዩ ክኸውን ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሽወደን፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ገሊጻ። ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ …

Read More »

ኣብ ኢንሾፒን ዝርከብ መሐንበሲ ቦታ፡ መርዛም ጋዝ፡ ሉሒኹ

ኣብ ኢንሾፒን (Enköping) ዝርከብ ፔፓሮትስቦደት (Pepparrotsbadet) ዝተባህለ መሐንበሲ ቦታ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህንጻ፡ ክሎሪን ዝተባህለ ጋዝ ብምልሓኹ፡ ብምልኦም ሰራሕተኛታት፡ ካብቲ ቦታ ከምዝወጹ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ። ኣብቲ ማይ፡ እንታይ ምዃኑ ዘይተፈልጠ ኬሚካላዊ ቀመም ብምሕዋሱ፡ እቲ ንሂወት ደቂ ሰባት፡ ኣስጋኢ ዝኾነ ክሎሪን፡ ክፍጠር ተኻኢሉ ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት መድሕን፡ ሄንሪክ የኒሹ፡ ገሊጹ። ብምልኦም ሰራሕተኛታት ካብቲ ቦታ ከምዝወጹን፡ ዝወረደ ሓደጋ ከምዘየለን ተፈሊጡ ኣሎ። ናይ …

Read More »

ኣብ ኣፍደገ ዓቢ መስገዲ፡ ዘይተፈልጠ ነገር (ባእታ) ተረኺቡ

ሎሚ ዓርቢ ሰዓት 3 ወጋሕታ፡ ሓደ መንነቱ  ዘይተፈልጠ ሰብ፡ ኣብ ኣፍደገ ዓቢ መስጊድ ስቶክሆሎም፡ ጽሑፍ ዝሓዘ ዘይተፈልጠ ነገር ኣቐሚጡ ከምዝኸደ፡ ኣብቲ ከባቢ ተተኺሉ ዘሎ ካሚራ ኣረጋጊጹ። ኣብ ከባቢ ሰዓት 6 ንግሆ፡ ሓላፊ ምምሕዳር’ቲ መስጊድ፡ በቲ ከባቢ ኣብ ዝሓልፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ሰለስተ ገመድ ኤሌክትሪክ ናብ ማዕጾ’ቲ መስጊድ ዘልገበ ነገር ምስ ረኣየ ተቐላጢፉ ናብ ፖሊስ ብምድዋል፡ ድሕሪ ቅሩብ እዋን፡ ፖሊስ፡ ነቲ …

Read More »

መጓዓዝያ ባቡር SJ፡ ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ደው ምባል ከቋርጽ መጽናዕቱ ጀሚሩ

ኣባላት ኩባንያ SJ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኩምላ (Kumla)፡ ኦሬብሮ፡ ብቐጺሊ ተጻብኦታት ስለዘጋጠሞም፡ ባቡር ናይቲ ኩባንያ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ደው ምባል ንኸቋርጽ ዘኽእሎ መጽናዕታት ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኩባንያ SJ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ምስ ፖለቲከኛታትን ፖሊስን ዘካየዶ ኣኼባ፡ ፍረ ከምዘይረኸበሉ ሓላፊ መሸጣታት ኩባንያ SJ፡ ያን ሺርክ፡ ገሊጹ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኩምላን ሃልስቤሪን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላትና፡ ናይ ቃላት ምፍርራህን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com