Sunday , May 19 2024

ጥዕና

ሰሚናር

Read More »

ኣገዳሲ ሰሚናር ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ 19

ኣካል ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ዝኾነ ባህላዊ ማእከልን ሃርሞኒ ሚድያን ብሓባር ብምኻን ኣብዘዳለናዮ ሰሚናር ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ መብርሂ ክህቡና ተዓዲሞም ዘለው ክኢላታት ስፒሻሊስት ዶር. ቴድሮስ ኣማኒኤል ከምእውን መኣዛ ያሬድ ተስፋማርያም ክኢላ ጥዕናዊ ሓበሬታ እዮም። ኣብዚ ብማሕበራዊ መራኸብታት ሃርሞኒ ሚድያ ብመንገዲ ዙም ዓርቢ ዕለት 26 መጋቢት 2021  ልክዕ ሰዓት 18:00 ዝካየድ ሰሚናር ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19፡ ክንፈልጦም …

Read More »

Harmony Media News 22/03/2021

Read More »

ኣመሪካ፡ ኣብ ማያሚ ቢች፡ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ይእወጅ

ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ማያሚ (ኣመሪካ) ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከም እተኣወጀ ቢቢሲ ሓቢራ። ኣብዛ ደሴታዊት ስቴት፡ ካብ ሰዓት 20:00 – 6:00 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሰዓታት እቶ እቶ ክእወጅን እዚ ድማ ክሳብ 12 ሚያዝያ ኣብ ተግባር ክውዕል እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ሰዓታት እቶ እቶ፡ ቊጽጽር ትራፊክ፡ ከምኡውን ኣብ ገማግም ዝካየድ ቢዝነሳት ደው ክብል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣሽሓት በጻሕቲ ብምምጻኦም ኣብዛ ከተማ …

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዶዛት ክታበት ኣስትራ ዘነካ ትሸይጥ

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ሚልዮን ዶዛት ክታበት ኦክስፎርድ – ኣስትራ ዘነካ ክትሸይጥ ምውሳና ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ዝዌሊ ምኽዜ፡ ገሊጹ። እዚ ክታበት፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ፍሉይ ጅር ኮቪድ-19 ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ዝተሓተ ምዃኑ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዘረጋገጸት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነዚ ክታበት ናይ ምጥቃም መደባ ሰሪዛቶ ኣላ ክትብል ቢቢሲ ወሲኻ ኣረጋጊጻ። ኣብ ክንዳኡ ነቲ ጆንሶን- ኤንድ -ጆንሰን ዝተባህለ ንጽል ዶዝ ክታበት ክትጥቀም …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ብ ኮቪድ-19 ተለኺፉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ዒምራን ኻን ብ ኮቪድ-19 ከም እተታሕዘ ንጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢራ። 68 ዝዕድሚኡ ዒምራን ኻን ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ኣሎ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ፓኪስታን ፈይሰል ሱልጣን ኣብ ዝኸተቦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሩ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድሚ ምዃኑ ኮኾብ ተጻዋታይን ካፕቴንን ጋንታ ክሪኬት ዝነበረ ዒምራን ኣብ ነሓሰ 2018 እዩ ነቲ መዝነት ተረኪቡ። ቅድሚ ክልተ ዓመታት ቀዳማይ ክታበቱ …

Read More »

Harmony Media News 19/03/2021

Read More »

ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ውሑስን ውጽኢታውን ምዃኑ ተረጋጊጹ

ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ውሑስን ውጽኢታውን ክታበት እዩ ክብል ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብዙሓት ኤውሮፓውያን ሃገራት፡ ንክታበት ኮሮና ካብ ጥቕሚ ደው ኣቢለንኦ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ። ሽወደን፡ ንኣገልግሎት ክታበት ኣስትራ ዘነካ ደው ኣቢልዎ ምጽንሑ፡ ብሰንኪ እቲ ክታበት ድሕሪ ምውሳዶም፡ ገለ ሰባት፡ መድመይቲ ከምዘጓኖፎም ዝገልጽ ጸብጻብ ድሕሪ ምትሕልላፉ ምዃኑ ክብል፡ ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንደሽ ቴግኒል፡ ሓቢሩ። …

Read More »

ጀርመን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ብልዑል ናህሪ ወሲኹ

ኣብ ጀርመን፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ኣሎ ክብል ጀርመናዊ ኤጀንሲ ተመሓላለፍቲ ሕማማት (RKI) ኣጠንቂቑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ። ሓድሽን ብናህሪ ክላባዕ ዝኽእል ጅር ኮሮና፡ ኣብታ ካብ ሃገራት ኤውሮፓ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዎ ጀርመን፡ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ጸብጻባት’ቲ ኤጀንሲ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ክሪስማስ ዝነበረ ተመሳሳሊ ኩነታት ክፍጥር እዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ብብዝሒ መልከፍቲ ዘጋጠመ፡ …

Read More »

ፓሪስ፡ መስርሕ ዕጽዋ ክትጅምር ምዃና ሓቢራ

ፈረንሳ ብምኽንያት ፍርሂ ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ-19 ን ሓደ ወርሒ ዝኸውን ን ፓሪስ ክትዓጽዋ እያ። ኣብ 16 ከባቢታት ፓሪስ ዝቕመጡ 21 ሚልዮን ህዝቢ፡ ካብ ዓርቢ ለይቲ ኣትሒዞም በዚ ኣገባብ እዮም ክተሓዙ ተባሂሉ’ሎ። እዞም ሕጊታት ከምቶም ዝሓልፉ ተረርቲ ኣይክኾኑን እዮም ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዢን ካስት፡ ሰባት ኣብ ግዳም ምንቅስቓስ ክፍቀደሎም እዩ ኢሉ። ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ጥራይ ኣብ ፈረንሳ 35 ሽሕ ሰባት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com