Tuesday , May 7 2024

ጥዕና

ጀርመናዊ ሚኒስተር፡ ክታበት ኣስትራ ምውጋእ ኣብዩ

ወዲ 71 ዓመት፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን፡ ሆርስት ሲሆቨር፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበትክ ክውጋእ ከምዘይደሊ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ድሕሪ ወዲ 40 ዓመት ዝኾነ ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን፡ የንስ ስፓሃን፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም መዛንኡ ሚኒስተራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ዘሎ ጥርጣረታት ንምብርዓን፡ ክኽተቡ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ ዝተኸስተ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።ሲሆቨር፡ ኣብ ልዕሊ …

Read More »

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ መስርሕ ክታበት ብምድንጓዩ ይነቅፍ

ኣብ መላእ ኤውሮፓ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብቕልጡፍ ክኽተቡ ከምዘለዎም፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ጸዊዑ።ኣብዚ እዋን ዝረአ ዘሎ መስርሕ ዝርጋሐ ክታበት፡ ብዘይ ቅቡል ኣገባብ ምድንጓያት የርኢ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ፍርያምነት ብምውሳኽን ንስራሕ ዝዕንቅፉ ምምሕዳራዊ መሰናኽላት ብምውጋድን ኣብ ኢድና ዝበጸሐ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል፡ መስርሕ ክታበት ክነቃላጥፍ ከምዝግባእ፡ ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ጨንፈር ኤውሮፓ፡ ሃንስ ክሉግ፡ ኣዘኻኺሩ።ኣብ ኤውሮፓ፡መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብዝለዓለ ናህሪ ምውሳኹ …

Read More »

Harmony Media News 31/03/2021

Read More »

ንትሕቲ ዕድመ ዝኸውን ክታበት ኮቪድ-19፡ ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ ክቐርብ እዩ

ኣብ ልዕሊ ክሊ ዕድመ 12 ዓመት ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ዝተኻየደ ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ ኩባንያ ቢዮንቴክ-ፋይዘር ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑ፡ መስርሕ ክታበት፡ ኣብ ዝቕጽል ክረምቲ፡ ክሳብ ምጅማር ሓድሽ ትምህርታዊ ዓመት፡ ብዝዓበየ ደረጃ ንምክያድ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑ ዝተኻየደ …

Read More »

ኩባንያ ፋይዘር፡ ንመጠን ፍርያቱ ወሲኹ

ኩባንያ ፋይዘርን ቢዮንቴክን፡ ንናይ ዓመተ 2021 መጠን ፍርያቱ፡ ናብ 2.5 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ክብ ከምዘበሎ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኩባንያ ፋይዘር፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ 2.3 ክሳብ 2.4 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ከፍሪ መደብ ከምዝነበሮ ምሕባሩ ይዝከር። ኩባንያ ፋይዘር፡ ምስ ፍርያት ክታበት ብዝተሓሓዝ፡ ንመጀምርያ ግዜ፡ ፋይናንሳዊ ኣታዊታቱ ከምዝሓበረን፡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት 10 ቢልዮን ዩሮ ኣታዊ ረኺቡ ከምዘሎ ገሊጹ። …

Read More »

ምምሕዳር ዳላርና፡ ሓገዝ ናይ ምሕታት መድረኽ በጺሓ

ኣብ ምምሕዳር ዳላርና፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ብምውሳኹ፡ ኣብቲ ቦታ ዝርከባ መደበራት ጥዕና፡ ጸቕጢ ይበዝሐን ብምህላዉ እቲ ኩነታት ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ ይሰጋገር ስለዘሎ፡ ናይ እዋን ሓደጋ ስምምዕ ብምጅማር፡ ሓገዝ ናይ ምሕታት መድረኽ ምብጽሑ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ቁጽሪ ናይቶም ናብ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ዝመጹ ሕሙማት፡ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ተወሰኽቲ ዓራውትን ኣለይትን ክቖጽር ምዃኑ ዳይሬክተር ኣገልግሎት ጥዕና’ቲ ምምሕዳር፡ ካሪን …

Read More »

ሃገረ ጀርመን፡ ኣብ ዶባት ዝካይድ ምቁጽጻር ተትርር

ናብ ሃገረ ጀርመን ዝኣትዉ በጻሕቲ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19፡ ዝሓዙ ምዃኖም ንምርግጋጽ ተባሂሉ፡ እታ ሃገር፡ ንኣብ ዶባታ ዝካየዱ ምክትታላት ከም ዘትረረት፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉድያት፡ ሆርስት ሲሆቨር (Horst Seehofer) ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። ካብ ፖላንድ፡ ፈረንሳይ፡ ዴኒማርክ ይኹን ካብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ብዘይ ኣፋላላይ፡ ኣብ ዶባት ዝካይድ ምቁጽጻር ዝምልከቶም ምዃኑ ፡ ሲሆቨር፡ ብምውሳኽ ገሊጹ። እቲ ኣብ …

Read More »

ናብ ሃገረ ጣልያን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ውሸባ ክገብሩ ተሓቢሩ

ናብ ሃገረ ጣልያን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ውሸባ ክገብሩ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ሓቢሩ። እዚ መምርሒ፡ ንዜጋታት ዓዲ ጣልያን ውን ዝምልከት ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ምሕባሩ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ክሳብ ክንደይ ግዜ ክጸንሕ ምዃኑ ግን ኣይተፈልጠን ክብል ሚኒስተር ጥዕና ጣልያን፡ ሮቤርቶ ስፔራንዛ፡ ገሊጹ። ካብ …

Read More »

Harmony Media News 29/03/2021

Read More »

ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ፡ ንፍርያቱ ዝኾነ ክታበት፡ ሓድሽ መለለይ ስም ገይርሉ

ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ብቫክዘቭርያ ዝብል መለለይ ስም ከምተዋህቦ፡ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ሓድሽ መለለይ ስም ምርካቡ፡ ካብቲ ብስም ክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝፍለጥ ዝነበረ ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ከምዘይብሉ በዓል መዚ ውጽኢት መድሃኒት ሽወደን ሓቢሩ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com