Saturday , April 27 2024

ጥዕና

ናብ ሽወደን ዝኣትዉ በጻሕቲ፡ መርመራ ኮቪድ ከካይዱ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ካብ ሃገራት ኖርዲክ ወጻኢ ዝመጹ ገያሾ፡ ናብ ሽወደን ክኣትዉ እንከለዉ፡ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ከም ዘለዎም ተመሓላሊፉ ዝጸንሐ ምኽሪ፡ ገደብ ግዚኡ ከምዝተናወሐ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዞም ገያሾ፡ ምልክታት ሕማም እንተ ዘይተራእዮም ውን፡ ተቐላጢፎም መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ ይግባእ። እቶም ካብ ምሉእ ክታበት ዝተኸትቡን ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ግን ካብዚ መርመራ ነጻ ምዃኖም …

Read More »

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ወቕቲ ጽድያ፡ 230 ሽሕ ኤውሮጳውያን ብኮቪድ ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ክብል ገሊጹ

ኣብ ወቕቲ ጽድያ ናይዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፡ 230 ሽሕ ኣውሮጳውያን፡ ብሕማም ኮቪድ ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ክብል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኣውሮጳ፡ ሃንስ ክሉጅ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን ግዳያት ሞት ኮቪድ ብ 11% ወሰኽ ከም ዘርኣየን ክሳብ ባሕቲ ታሕሳስ፡ እዚ ቊጽሪ ናብ 230 ሽሕ ክብ ክብል ከም ዝኽእልን እቲ ውድብ ገሊጹ’ሎ። በዚ ድማ ዛጊት ዘይተኸትቡ …

Read More »

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንኣሜሪካ ካብ ዝርዝር ውሕስነት ዘለወን ሃገራት፡ ኣልይዋ

ካብ ናብን ኣሜሪካን ኤውሮፓጳዊ ሕብረትን ዝግበር ዝነበረ መገሻታት፡ ብሰንኪ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ምስ ለበዳ ኮሮና ብዝተሓሓዝ፡ ንኣሜሪካ ካብ ዝርዝር ውሕስነት ዘለወን ሃገራት ምእላዩ፡ ኣብ ዝተሓላለኸ ኩነታት ኣትዩ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እስራኤል፡ ኮሶቮ፡ ሊባኖስ፡ ሞንተነግሮን ሰሜን ማክዶንያን ውን ብኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ዝርዝር ውሕሰነት ዘለወን ሃገራት ምእላየን ተፈሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት፡ ካብ 100 ሽሕ ሰባት፡ 75 ጥራይ ብኮቪድ …

Read More »

መንግስቲ ዴኒማርክ: ነቶም ናብ ሽወደን ዝገሹ ዜጋታት: ክጥንቀቑ ተላብዩ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዴኒማርክ: ኣብ ሽወደን ዝረአ ዘሎ መጠን ምስፍሕፋሕ ኮሮና ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ: ንሽወደን ካብቲ ዝነበረቶ ናይ ቀጠልያ ሕብሪ ዝርዝር (ኣቓልቦ ግበር): ናብ ናይ ብጫ ሕብሪ ዝርዝር (ተወሳኺ ጥንቃቐ ግበር) ከምዘሰጋገራ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ደቡብን ምዕራብን ሽወደን: ግን ጌና ኣብ ቀጠልያ ዝርዝር ከምዘለዋ እቲ መንግስታዊ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ። ትማሊ ሓሙስ: ኤውሮጳዊ በዓል መዚ ተመሓላለፍቲ ሕማማት: ንመጠን ምስፍሕፋሕ …

Read More »

መልከፍቲ ኮቪድ: ካብ ክታበት ዝያዳ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ተሓቢሩ

ብቫይረስ ኮሮና ድሕሪ ምልካፎም ዝሓወዩ ሰባት: ጸረ እቲ ቫይረስ ዘጥረይዎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ: ልዕሊ እቲ ብኽልተ እብረ: ክታበት ፍይዘር: ዝጠሪ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዝኾነ: እስራኤላዊ መጽናዕቲ ገሊጹ: ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ሕክምናዊ ጸብጻባት ብምእካብ: ኣብ መንጎኦም ዘሎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምንጽጻር ዝተረኽበ ውጽኢት ምዃኑ: እቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ገሊጹ። እዚ ድማ: ነቲ ባህርያዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ: …

Read More »

ቊጽሪ ተጠቃዕቲ ፍንጣጣ ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ

ግዳያት ናይቲ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላላፍ– ሕማም ፍንጣጣ– ብናህሪ ይውስኹ ምህላዎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ብፍላይ ኣብቶም ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ርክብ ዝፍጽሙ ሰብኡት (ግብረ-ሰዶማውያን ) ብብዝሒ ይረአ ምህላዉን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ ብሰለስተ ዕጽፊ ምዝያዱን ተቓሊዑ። ኣብ ክሊኒክ ምክልኻል ሕማማት መውስቦ ስቶክሆልም Venhälsan – Södersjukhuset’s ክሳብ 300 ዝበጽሑ ግዳያት ፍንጣጣ ከም እተራእዩን እዚ ድማ ልዕሊ …

Read More »

80% ካብ ዜጋታት ዴኒማርክ፡ ከምዝተኸትቡ ተሓቢሩ

ኣብ ሃገረ ዴኒማርክ፡ ኣርባዕተ ካብ ሓሙሽተ፡ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ ከምዝተኸትቡ ሚኒስተር ጥዕና ዴኒማርክ፡ ማግኑስ ህዩኒከ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ዴኒማርካውያን፡ ንክታበት ኮቪድ ምቕባሎም፡ ምስጋና ይብጻሓዮም ክብል፡ እቲ ሚኒስተር፡ ጽሒፉ። ኣብ ሃገረ ዴኒማርክ፡ መስርሕ ክታበት፡ ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ከምዝጀመረ ይዝከር። ኣብ መወዳእታ ናይ ወርሒ መስከረም 2021 ድማ፡ ትሽዓተ ካብ ዓሰርተ ሰባት፡ …

Read More »

ገደብ ግዜ መምርሒታት መገሻ፡ ተናዊሑ

ናብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ዝግበሩ ጉዕዞታት ብዝምልከት፡ ተመሓላሊፉ ዝነበረ ገደብ ግዜ መምርሒታት መገሻ ከምዝተናወሐ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ተመሓላሊፉ ዝነበረ መምርሒታት መገሻ፡ ክሳብ ዕለት 15 ጥቅምቲ ከምዝተናወሐን፡ ብጀካ ናብተን ካብ ዝርዝር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ዝተኣልያ፡ ናብተን ዝተረፋ ሃገራት፡ እቲ ገደብ ግዜ ናይ ምንዋሕ ውሳኔ፡ ግብራዊ ከምዝኾነ ተገሊጹ። …

Read More »

ሃለንግረን፡ “ሰላምታኹም፡ ምዉቕ ነይሩ”

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሌና ሃለንግረን፡ ናይ ጡብ መንሽሮ ከምዘለዋን ሕክምና ክትጅምር ምዃናን ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ እቲ ሽዱሽተ ግዜ ዝካየድ ኪሞተራፒ ማለት፡ ቀዳማይ መድረኽ ናይቲ ሕክምና፡ ከም ዝዛዘመት ኣብ ውልቃዊ ሒሳብ ኢንስተግራም ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቀዳማይ መድረኽ ሕክምና ዛዚመ ናብቲ ኣርባዕተ ሰሙን ዝወስድ ናይ ጨረርታ (radiation) ሕክምና፡ ማለት፡ …

Read More »

ብሓድሽ ጅር ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም

ብሓድሽ ጅር ኮሮና፡ ደልታ E484Q፡ ዝተለኽፉ ዓሰርተ ሰባት፡ ብበዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ከምዝተለለዩን በዚ ድማ፡ ኣብ መላእ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም በዚ ሓድሽ ጅር ዝተለኽፉ ሰባት፡ 23 በጺሑ ከምዘሎ ንሕክምናዊ ጸብጻባት ዳገንስ ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዞም ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከም ዝተለለዩ ዓሰርተ በዚ ሓድሽ ጅር ዝተለኽፉ ሰባት፡ ነፍሲ ወከፎም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት በጺሑ ዝመጸ ምዃኖም ድሕሪ ዝተኻየደ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com