Friday , May 3 2024

ጥዕና

ኬንያ: ቀረብ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ከም ዝወድአት ይግለጽ ኣሎ

ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን: ኬንያ ዘለዋ ቀረብ ክታበት ኮቪድ 19 ከም እትውድእ፡ ሓይሊ ዕማም ክታበት እታ ሃገር፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኬንያ፡ ካብ 3.5 ሚልዮን ናይ ኣስትራዜነካ ክታበት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብልቃጥ፡ ረኺባ ምጽንሓ ዶ/ር ዊሊስ ኣኽዋሌ ይገልጽ። ዛጊት፡ ልዕሊ 940 ሽሕ ኬንያውያን ከቲብና ኣሎና፡ ስለዚ ድማ፡ ዘሎና ቀረብ ጓሕጒሕናዮ ኢና” ኢሉ። እዚ ማለት ትሕቲ 2% ኬንያውያን ቀዳማይ ብልቃጥ ክትባቶም ረኺቦም ኣለዉ ማለት …

Read More »

ስዑዲ ዓረብ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ከም ረቛሒ ተቐምጥ

ካብ ዕለት 01 ናይ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ ኩሎም ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኾኑ ሰባት፡ ዝተኸትቡ ጥራይ ክኾኑ ከምዝግባእ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ መንግስታውያንን ውልቃውያን ትካላትን ኣብ መዘናግዒ ቦታታትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ውን፡ ክታበት ከም ረቛሒ  ክቑጸር ምዃኑ ብምውሳኽ ሓቢራ። ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ 34 ሚልዮን ነበርቲ ከምዘለውዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ፡ 12 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት …

Read More »

ኣብ ሳንኩፍ ከባቢታት: ብሕማም ኮቪድ 19 ናይ ምሟት ሓደጋ ዝለዓለ ምኻኑ ተገሊጹ

ኣብ ከተማ ስቶክሆሎም: ካብ ወርሒ መጋቢት 2020 ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን: ዝተኻየደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ: እቶም ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቅሚ ዘለዎም ከባቢታት ወይ ድማ ሳንኩፍ ከባቢታትን ተባሂሎም ኣብ ዝጽውዑ ከባቢታት ዝቅመጡ ነበርቲ: ብናብ ሞት ዘኸትል ከቢድ ሕማም ኮቪድ 19 ከምዝጥቅዑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዘና ተተ ኣቃሊሑ:: ትሑት ቁጠባዊ ዓቅሚ: እቲ እንኮ ምኽንያት ከምዘይኮነ ዝገለጸ እቲ …

Read More »

Harmony Media. News 17 May 2021.

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ብ 3 ሽሕ ብምጉዳሉ፡ ጠቕላላ ምዝጉብ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ 420,666 በጺሑ ምህላዉን እዚ ድማ 8.1% ሚእታዊት ናይቲ ሰራሒ ዓቕሚ ዝኾነ ቁጽሪ ምኻኑ፡ ሰሙናዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 500 ሰባት፡ ካብ ስራሕ ናይ ምፍናው መጠንቀቕታ በጺሕዎም ከምዘሎ እቲ ጸብጻብ፡ ብምውሳኽ ሓቢሩ።

Read More »

ሃገረ ፖርቱጋል፡ ኣፍደገኣ ንበጻሕቲ ትኸፍት

ሃገረ ፖርቱጋል፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 17 ግንቦት ጀሚራ፡ ብጀካ ንውሱናት፡ ንኹሎም ናብ ሃገራ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት  ክኣትዉ ዝደልዮ በጻሕቲ ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣፍደጊኣ ክፉት ምዃኑ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ናብ ሃገረ ፖርቱጋል፡ ብኣገዳሲ ምኽንያት ጥራይ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም፡ ዜጋታት ናይተን መጠነ መልከፍቲ ኮሮና ልዕሊ 500 ኣብ ነፍሲ ወከፍ 100 ሽሕ ሰባት ዘጋጥመን ሃገራት እዮም። እዘን ሃገራት ድማ፡ ሳይፕረስ፡ ክሮኤሻ፡ …

Read More »

ኣብ ኬንያ፡ ነቲ ናይ ህንዲ ዝመሳሰል ጅር ኮቪድ-19፡ ከም እተራየ ተገሊጹ

ኬንያ 15 ተወሰኽቲ ግዳያት ጅር ኮሮና ህንዲ ምርካባ ገሊጻ’ላ። ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝሰርሕ ዶ/ር ራሺድ ኣማን ጠቕላላ ቊጽሪ ሕሙማት እዚ ጅር ህንዲ 20 ምብጽሑ ኣመልኪቱ። “እዚ ሓድሽ ዓሌት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 17 ናብ ህንዲ ገይሾም ካብ ዝነበሩ ሰባት ዝተወሰደ ሳምፕላት ድሕሪ ዝተኻየደ መርመራ ጂን ምዃኑ ዶክተር ኣማን ገሊጹ’ሎ። እዚ B.1.617 ዝተባህለ ጅር ኣብ ህንዲ 20 ሚልዮን ሰባት ግዳይ ሕማምን ሞትን …

Read More »

ምዝላቕ መምርሒታት ኮሮና፡ ካብ ወርሒ ሰነ ክጅምር ትጽቢት ይግበር

መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ዕለት 17 ግንቦት ጀሚሩ፡ ንኣቚምዎም ዘሎ መምርሒታት ኮሮና ከዝልቖም ምዃኑ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ንኹነታት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ተወጢኑ ዝነበረ መደብ፡ ናብ ዕለት 1 ሰነ ከምዝተናወሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ሎቬን፡ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ካብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ጀሚሩ፡ ቁጽሪ ተዓዘብቲ፡ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት ክውስኽ፡ ኣብያት መግብታት ድማ ሰዓት 10፡30 ድ.ቐ. …

Read More »

ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ካብ ገዛ ምስራሕ ክቕጸል ምዃኑ ተሓቢሩ

ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ስርሖም ከሰላስሉ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ድልየቱ ምዃኑ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዝሓለፈ ዓመት፡ መንግስታውያን ኣካላት፡ ነቲ ካብ ገዛ ኮይንካ ናይ ምስራሕ ስጉምቲ ግብራዊ ከምዝኸውን ምግባረን ይዝከር። እቲ ስርሒት፡ ክሳብ 01 ሓምለ ዝጸንሕ ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ክሳብ 15 መስከረም ክናዋሕ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናን ኣብ ልዕሊ ኣሃዱ ጥዕና ዘሎ ጸቕጢ ልዑል …

Read More »

ኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ማልመ፡ መርመራ ኮቪድ የተኣታትዋ

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምክልኻል፡ ከተማ ማልመ፡ ሓድሽ ናይ ፈተነ ፕሮጀክት ከምዝተኣታተወ ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ናይ ፈተነ ፕሮጀክት፡ ኣብ ኣብያተ ቤት ትምህርታት፡ ንዝርከቡ መምህራንን ተማሃሮን፡ መርመራ ኮቪድ-19፡ ምክያድ ምዃኑ ላራረን ( Läraren.) ዝተባህለ መጽሔት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ሓድሽ ናይ ፈተን ፕሮጀክት፡ ኣብተን ንመርመራ ኮቪድ (PCR tests) ምቹእ ዝኾነ ቦታ ዘለወን ኣብ ከተማ ማልመ ዝርከባ ቤት ትምህርቲ ላቲንን (Latin) ቦርያርስኮላን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com