Tuesday , May 7 2024

ጥዕና

ኢራን … ሕማም ኮቪድ: ብዙሕ ህይወት ይቐዝፍ 

ኣብ ኢራን: ብሰንኪ ኮቪድ-19: መዓልታዊ ኣማኢት ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብሰንበት ጥራይ: 680 ሰባት ምሟቶምን እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ኣሃዝ ሞት ምዃኑ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ኢራን: ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ቊጽሮም 102 ሽሕ ከም ዝበጽሕ ወግዓዊ ጸብጻባት ይገልጹ። እንተኾነ ግና እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ካብዚ ኣጸቢቑ ክልዕል ከም ዝኽእል ሰብመዚ ጥዕና የመልክቱ። …

Read More »

ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ንዋንነት ቻይና፡ ኣብ ምልክት ሕቶ የእትው

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ዓርሞሾሽ ቻይናዊ ኦንላይን ኩባንያ ተንሰንት (Chinese online giant Tencent) መሻርኽቲ ናይ ወሃብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝኾነ Doktor.se ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ወኪል ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ኣብ ስቶክሆሎም፡ ብዛዕባ ዋንነት ብዝምልከት፡ መርመራታቱ ክቕጽሎ ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። Doktor.se፡ ኣብ ስቶክሆሎም ጥራይ፡ ሰለስተ ሓፈሻዊ መጥባሕቲ ዘካይዳ ኑቕጣታት ዘካይድ ኮይኑ፡ ንዋንነተን ብዝምልከትን ንናይ ውልቀ ሰባት ሓበሬታታት ኣብ ዘይተደልየ …

Read More »

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ናብ ኣፍጋኒስታን መድሃኒት ንምብጻሕ፡ ሓገዝ ይሓትት

ኣብ ዱባይ ተዳልዩ ዘሎ 500 ቶን ዝበጽሕ ናይ ህጹጽ እዋን ሕክምናዊ ረዲኤት፡ ናብ ኣፍጋኒስታን ንክበጽሕ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ሓገዝ ይሓትት ከምዘሎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሓገዝ፡ ብኣገባብ ተዳልዩን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ኣፍጋኒስታትን ንኽበጽሕ መደብ ተገይርሉ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ኤርፖርት ካቡል ንሲቪላዊ ትራፊክ ዕጹው ብምዃኑ ክበጽሕ ከምዘይከኣለ ወሃቢት ቃል፡ ኢናስ ሃማም፡ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢራ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እተን …

Read More »

ኣውስትራልያ: ልዑል መጠን ለበዳ ኣመዝጊባ 

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት: 914 ሓደስቲ ብኮቪድ ዝተለኽፋ ሰባት ብምርካብ: ኣውስትራልያ: ሓድሽ ክብረወሰን ምምዝጋባ ተገሊጹ። እዚ ማለት: ኣብታ ሃገር 12 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት በቲ ሕማም ተታሒዞም ምህላዎም ዘመልክት እዩ ተባሂሉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ:: ክሳብ 70% ካብ ህዝቢ ኣውስትራልያ ክታበቱ ዝውድእ፡ ተነቢሮም ዘለዉ መምርሒታት ምቊጽጻር ለበዳ፡ ክቕጽሉ ምዃኖም፡ ስኮት ሞሪሰን፡ ገሊጹ። ዛጊት፡ 30% ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሜኦም ዜጋታት፡ ክታበት …

Read More »

ኣብ ሆስፒታላት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ከምዝወሰኸ፡ ተገሊጹ

ኣብ ቦሮስ (Borås) እትርከብ ሆስፒታል ሶድራ ኤልቭስቦሪ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብምውሳኹ፡ ናብ ናይ ሰራሕተኛታት ኣገባብ (Staff mode) ከም ዝተሰጋገረን ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ጥዕና’ቲ ሆስፒታል ድማ  ልዑል ጸቕጢ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ቦሮስ ቲድኒን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ንሕሙማት ኮቪድ ተባሂሉ ዝተሓዝአ ቦታታት፡ መሊኡ ኣሎ፡ ሓደስቲ ሕሙማት እንተመጺኦምና፡ ኣበይ ከም ነአንግዶም ክንሓስበሉ ክንዳለወሉን ይግባኣና። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ እዚ ልዑል …

Read More »

Harmony Media News 23/08/2021

Read More »

ሓንቲ ኣፍጋኒስታናዊት: ኣብ ውሽጢ ነፋሪት: ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ

ሓንቲ ኣፍጋኒስታናዊት ጓል ኣንስተይቲ: ካብታ ጣሊባን እተቖጻጸራ ኣፍጋኒስታን ናብ ጀርመን እናተጓዓዘት: ኣብ እዋን በረራ ሕማም ሕርሲ ከም እተታሕዘት ተፈሊጡ።   እታ ነፋሪት ኣብ ጀርመን ምስ ዓለበት: ሓካይም ናብታ ወተሃደራዊት ነፋሪት ብምቅልጣፍ: ኣብ ሓይሊ ኣየር ራምስቴን ከም ዘሕረስዋ ጸብጻብ CNN ኣመልኪቱ። ኣደን ጓልን ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ጥዕና ምህላወን እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።   እዛ ኣፍጋኒስታናዊት አደ: ሕማም ሕርሲ ምስ ተታሕዘት ኣብ …

Read More »

ጀሲ ጃክሰን: ብሕማም ኮቪድ ተታሒዙ

79 ዝዕድሜኡ ኣመሪካዊ ፓስተር: ተጣባቒ ሲቪላዊ መሰላትን ፖለቲከኛን ጀሲ ጃክሰን ከምኡ’ውን 77 ዝዕድሜኣ በዓልቲ ቤቱ ጃክሊን ብኮሮና ተታሒዞም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዎም: ሬንቦ ኮኣሊሽን: ዝተሰምየ ባዕሉ ዝመስረቶ ትካል ሲቪላዊ መሰላት ኣፍሊጡ።   ጀሲ ጃክሰን ምስ ፍሉጥ ተጣባቃይ ሲቪላዊ መሰላት: ማርቲን ሉተር ኪንግ: ብምዃን ኣብ 1960ታት ኣንጻር ጸለምቲ ዝግበር ዝነበረ ኣድልዎ ዝተቓለሰ ኣመሪካዊ እዩ።   ጀሲ: ኣብ ዓመታት 1984-88 ን ፕረዚደንትነት …

Read More »

ኣማኢት ብልቃጥ ክታበት፡ ብሰንኪ ሽርሒ፡ ዓንዮም

ኣብ ኣደራሽ ክታበት ኣማል (Åmål)፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ናይ ኤሌክትሪክ ምቁራጽ፡ 800 ብልቃጥ ክታበት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኖም ተባሂሎም ከም ዝዓነዉ ንጸብጻባት P4 Väst ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ዘጋጠመ ምቁራጽ ናይ ኤሌክትሪክ፡ ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ፡ ናብ መቆጻጸሪ ክፍሊ ኣትዩ ነቲ መወልዒ ከምዘጥፈኦ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።  ክሳብ ሕጂ፡ መን ከምዝፈጸሞን ወይ ድማ ስለምንታይ ኤሌክትሪክ ከም ዘቋርጽ ተገይሩን ንዝብሉ ሕቶታት፡ መልሲ …

Read More »

መንገድታት ኣየር: ሰራሕተኛታተን ምሉእ ክታበት ክኽተቡ ይጠልባ

. መንገድታት ኣየር ኣውስትራልያ: Quantas: ከምኡውን Cathy Pacific: ሰራሕተኛታተን ክቱባት ንክኾኑ ጠለብ ከም ዘቕረባን ነዚ ስዒቡ ድማ መንገድታት ኣየር ሲንጋፖርን ማሌዥያን: ሰራሕተኛታተን ምሉእ ብምሉእ ዝተኸትቡ ንክኾኑ ጠሊበን ምህላወን ተሓቢሩ። ኣብ ሽወደን: ሰራሕተኛታት ንክኽተቡ ዝግደዱ ኣይኮኑን:: እንተኾነ ግና ገለ ሃገራት ኣብታ እትመጸን ነፋሪት ዘለዉ ሰራሕተኛታት: ዝተኸትቡ ክኾኑ ከም ዝሓታ ብምምልካት: መንገዲ ኣየር ሳስ: ነዚ ቅድመ ኩነት ንምፍታሕ: ነቶም ዝተኸትቡ ጥራይ ናብቶም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com