Sunday , May 19 2024

ጥዕና

ሊቀ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ክታበት መግለጺ ፍቕሪ እዩ ክብል ገሊጽዎ

ለበዳ ኮሮና ንምቊጽጻር ዘኽእል ክታበት ምርካቡ፡ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ንፈጣሪን ካልኦት ነዚ ክዉን ዝገበሩ ኩባንያታትን ውልቀ ሰባትን ኣመስጊኖም ክብል ማዕከን ተተ ጊሊጹ። በዚ ድማ ወዲሰብ ነዚ ለበዳ ከጥፍኦ ተስፋ ከም ዝረኸበ እዞም መራሒ ሃይማኖት ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ዝኸውን ግና ናብ ኲሉ ሰብ ክባጻሕ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ ክብሉ ኣመልኪቶም። ክትባት ብዛዕባ ጥዕናን ድሕነትን ካልኦት ከም እንግደስ እነርእየሉ ሓደ መሰረታውን ቀሊልን ኣገባብ እዩ …

Read More »

ጀርመን . . . ሕማም ሃቫና (Havana Syndrom) ተራእዩ

ኣብ ጀርመን ዝርከቡ፡ ብውሕዱ ክልተ ሰብመዚ ኣመሪካ፡ ብሕማም ሃቫና (Havana Syndrom) ተታሒዞም ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ከምዘሎን ጸብጻባት ዎል ስትሪት ጆርናል ንዲፕሎማስያዊ ምንጪታት ብምጥቃስ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ኣብ 2016 ሓደ ኣባል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ርእሰ ከተማ ኩባ (ሃቫና) ከቢድ መርዘን ምስ ሓዞ ነዚ ሕማም Havana Syndrom ኢሎም ከም ዝጸውዕዎ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሕማም ካብ ከቢድ መርዘን ሓሊፉ፡ ምድንዛዝን …

Read More »

Harmony Media News 18/08/2021

Read More »

ዴኒማርክ . . . ዝበዝሑ ልዕሊ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ተኸቲቦም

ሰለስተ ርብዒ ካብቶም ዕድሚኦም 12 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ዴኒማርካውያን፡ ምሉእ እብረ ክታበት ከምዝወሰዱ፡ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ማግኑስ ሂዩኒከ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሃገረ ዴኒማርክ፡ ነዞም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ብዝምልከት፡ ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ንክታበቶም ምስ ኣፍቀደ፡ ተቐላጢፋ ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ክታበት ከምዝጀመረቶ ይፍለጥ። ኣብ ልዕሊ ናእሽቱ መንእሰያት ዝረአ መጠን መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና፡ ውሑድ’ኳ …

Read More »

ልዕሊ 80%፡ ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት ወሲዶም

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 6.5 ሚልዮን ሰባት፡ እንተወሓደ፡ ሓንቲ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ኮይኖም፡ ንመጠን ብዝሒ ዝተኸትቡ ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ናብ 80.3% ክብ ኣቢልዎ ከምዘሎ ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ኣስታት 4.9 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ኮይኖም እቲ መጠን 60.1% በጺሑ ከምዘሎ ጸብጻባት የረድኡ። ኣብ መላእ ሽወደን፡ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና …

Read More »

መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ወሲኹ

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ዝረአ ዘሎ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብተኸታታሊ ንሻውዓይ ሰሙኑ ይቕጽል ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ መጠን ምውሳኽ መልከፍቲ፡ ትሕቲ 20% ምንባሩ ይዝከር ክብል ጸብጻባት ጥዕና ምምሕዳር ስቶክሆሎም ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ካብ ዕለት 10 ክሳብ16 ነሓሰ፡ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ 2177 ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፉ ጸብጻባት ገሊጾም። እቶም 62 ሰባት፡ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝግበረሎም ዘለዉ ኮይኖም 8 …

Read More »

ኣብ ማሌዥያ፡ ዝነበረ መንግስቲ ፈሪሱ

ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ መንግስቲ ማሌዥያ፡ ናብ ምውዳቕ ገጹ ተገማጊሙ ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ሙሕየዲን ያሲን፡ ንንጉስ እታ ሃገር፡ ብዛዕባ ምውዳቕ መንግስቲ ሓበሬታ ምሃቡ ምንጪታት ቤትመንግስቲ ኩዋላ ሉምፑር ሓቢሮም ክብል ተተ ኣቃሊሑ። ሙሕየዲን፡ ብሰኑይ ናብቲ ንጉስ (ሱልጣን) ዓብዱላ ዝርከበሉ ቤት መንግስቲ፡ ክበጽሕ ከም እተራእየ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ። ን 17 ኣዋርሕ ዝጸንሐ መሪሕነት ሙሕየዲን፡ ብሕድሕዳዊ …

Read More »

ዕለተ ምጅማር ቤት ትምህርቲ፡ ተናዊሑ

ኣብ ትራኖስ፡ ስሞላንድ፡ ዝርከባ ብርክት ዝበላ ቤት ትምህርታት፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ ካብቲ ንቡር ናይ ምጅማር ዕለቱ፡ ንድሕሪ ክልተ ሳምንታት ከምዝተሰጋገረ፡ ጋዜጣ ትራኖስ ቲድኒንግ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ኣብ መባእታ ደረጃ ዝርከባ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክፍሊ ዘለዋን ኣብ ማእከላይ ደረጃ ዘለዋ ሻምናይን ታሽዓይን ክፍልታት በዚ ውሳኔ ከምዝጽለዋ እታ ጋዜጣ ሓቢራ። ኣብ መንጎ ናእሽቱ መንእሰያት ዝተራእየ ምልባዕ መልከፍቲ …

Read More »

ፖላንድ፡ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝኾነ ክታበት፡ ንኣውስትራልያ ሰዲዳ

ሃገረ ኣውስትራልያ፡ ሓደ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ፋይዘር፡ ካብ ሃገረ ፖላንድ ኣውሒሳ ምህላዋ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር-ቢዮንቴክ ዝኾነ ክታበት፡ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ናብ ኣውስታራልያ ምብጽሑ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ስኮት ሞሪሶን፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ዝተጠቕሰ ክታበት፡ ነቶም ኣብ ከባቢ ሲድኒ ዝርከቡ ኣብ ክሊ ዕድመ 20 ክሳብ 39 ዓመት ዘለዉ ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተ ሰብ ወሃብ ክታበት …

Read More »

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ማስክ ምጥቃም ግዴታ ከምዘይኮነ ኣዊጃ

ህዝባውያን መጓዓዝያታት ዝጥቀሙ ተሳፈርቲ፡ ማስክ ንኽወድዩ ዝግድድ ዝነበረ መምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ዴኒማርክ፡ ከምዝተላዕለ፡ ሃገረ ዴኒማርክ ኣዊጃ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዝበዝሑ ዜጋታት ዴኒማርክ፡ ክታበት ዝወሰዱ ብምዃኖም፡ ቀስ እናበልና፡ ናብቲ ንቡር መዓልታዊ ሂወትና ንምለሰሉ መንገዲ ነምርሕ ኣለና ክብል ሚኒስተር መጓዓዝያ’ታ ሃገር፡ ቤኒ ኢንግልብሬኽት፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ ህዝባውያን መጓዓዝያታት፡ ማስክ ናይ ምውዳይ መምርሒ ንኽወድቅ ተሓሲቡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com