Tuesday , April 30 2024
President Ebrahim Raisi, right, listens to a man during an unexpected visit to a COVID-19 vaccination center in Tehran, Iran (Iranian Presidency Office via AP) VAH518

ኢራን … ሕማም ኮቪድ: ብዙሕ ህይወት ይቐዝፍ 

ኣብ ኢራን: ብሰንኪ ኮቪድ-19: መዓልታዊ ኣማኢት ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብሰንበት ጥራይ: 680 ሰባት ምሟቶምን እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ኣሃዝ ሞት ምዃኑ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ኢራን: ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ቊጽሮም 102 ሽሕ ከም ዝበጽሕ ወግዓዊ ጸብጻባት ይገልጹ። እንተኾነ ግና እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ካብዚ ኣጸቢቑ ክልዕል ከም ዝኽእል ሰብመዚ ጥዕና የመልክቱ። ወግዓዊ ኣሃዛት ጥራይ እኳ ከም ሓቂ እንተተወሲዱ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝኸፍአ ብኮቪድ ዝተሃስየት ሃገር ከም ዝገብራ እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።

መራሒ ኢራን: ኣያቶላህ ኻመይኒ: ካብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝፈረዩ ክትባት ከም ዘይቅብል ምግላጹ ዝፍለጥ ኮይኑ: ኣብ ኢራን: መጠን ክታበት ብመሰረቱ ዝሕቱል ምጽንሑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ቀረባ እዋን: ኣብ ኢራን ዝተራእየ ዘሰንብድ ናህሪ ለበዳ: ነቲ ፍርያት ምዕራብ ዝኾነ ክታበት ክንወስድ የብልናን ዝብል መርገጺ ይብድሆ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com