Tuesday , April 30 2024
The Social Democrats are hesitant to approve Chinese ownership in the healthcare provider Doktor.se, with three GP surgeries in Stockholm. (AP Photo/Bruna Prado) XBP101

ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ንዋንነት ቻይና፡ ኣብ ምልክት ሕቶ የእትው

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ዓርሞሾሽ ቻይናዊ ኦንላይን ኩባንያ ተንሰንት (Chinese online giant Tencent) መሻርኽቲ ናይ ወሃብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝኾነ Doktor.se ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ወኪል ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ኣብ ስቶክሆሎም፡ ብዛዕባ ዋንነት ብዝምልከት፡ መርመራታቱ ክቕጽሎ ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

Doktor.se፡ ኣብ ስቶክሆሎም ጥራይ፡ ሰለስተ ሓፈሻዊ መጥባሕቲ ዘካይዳ ኑቕጣታት ዘካይድ ኮይኑ፡ ንዋንነተን ብዝምልከትን ንናይ ውልቀ ሰባት ሓበሬታታት ኣብ ዘይተደልየ ኢድ ንኸይወድቕን ብዝምልከት፡ ፖለቲካዊ ውሳነ ክመሓላለፍ ከምዘለዎ፡ ታላ ኣልኩርዲ፡ ንጋዜጣ ዲ ዲጂታል ሓቢራ።

ካልኦት ሰልፍታት ውን ብዛዕባ እዚ ኩነታት ክሓስባሉ ይግባእ ክትብል ኣልኩርዲ ወሲኻ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com