Sunday , May 19 2024

ጥዕና

እስራኤል፡ ህዝባዊ ባህርያዊ ምክልኻል ኮሮና ኣጥርያ ክትከውን ትኽእል እያ ተባሂሉ

ሃገረ እስራኤል፡ ህዝባዊ ባህርያዊ ምክልኻል ሕማም ኮሮና (herd immunity) ናብ ምጥራይ ተጸጊዓ ክትከውን ከም እትኽእል ሓደ ላዕለዋይ ዶክተር እስራኤል ገሊጹ። ኣብ ሓደ ሃገር እዂል ቊጽሪ ዘለዎም ሰባት ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ባህሪ ምስ ዝፈጥሩ እዩ ሀርድ ኢምዩኒቲ ማዕቢሉ ዝበሃል። ኣብ ሕማም ኮሮና ዕድላት ምምዕባል ሀርድ ኢምዩኒቲ ካብ 65-70% ከም ዝብጽሕ ይግመት። ተመራመርቲ ብሪጣንያ ግን፡ ኣብዚ ጒዳይ ኣዝዩ ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ …

Read More »

ምምሕዳር ካልማር፡ ሳልሳይ መድረኽ ክታበት ክትጅምር ትዳሎ

ምምሕዳር ካልማር፡ ቀዳማይን ካልኣይን መድረኻት ክታበት ወዲኣ፡ ናብ ሳልሳይ መድራኽ ክትሰጋገር ምዃና ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ክታበት፡ ካብቶም 80 ዓመት ዝዕድሚእዕም ሰባት እቶም 90% ክታበት ክወስዱ ክኢሎም። ካብቶም ኣብ ካልኣይ መድረኽ ክኽተቡ ዝተመደቡ ኣብ ክሊ ዕድመ 70 ክሳብ 79 ዓመት ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣስታት 60% ክታበት ክወስዱ ከምዝኸኣሉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ክኽተቡ …

Read More »

ቦትስዋና፡ ኣብ ገለ ዞባታት ዝነበረ ውጥን ክታበት ኮቪድ-19፡ ደው ኣቢላቶ

መንግስቲ ቦትስዋና፡ ብልቃጥ ክታበት ተጸንቂቑ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብ ገሊኡ ዞባታት እታ ሃገር ክገብሮ ወጢንዎ ዝነበረ መደብ ክታበት ደው ምባሉ ተሓቢሩ። እታ ሃገር፡ ዛጊት 17808 ሰባት ከቲባ ኣላ ክብል ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር የመልክት። ኣብዘን ዞባታት ዝነብሩ ዜግታት ነታ እትመጽእ መርከብ ብትዕግስቲ ክጽበዩ ተነጊርዎም ኣሎ። መንግስቲ ሾብዓተ በዚ ሕማም ብፍሉይ ክጥቅዓ እየን ዝበለን ዞባታት ምልላዩ ይፍለጥ። እዛ መርከብ ክትመጽእ ምናልባት …

Read More »

ኣሜሪካ፡ ንክታበት ጆንሶን፡ ንግዝይኡ ከተቋርጾ ወሲና

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ነቲ ልዕሊ 7 ሚልዮን ኣሜሪካውያን ዝተኸትብዎ፡ ፍርያት ኣሜሪካዊ ኩባንያ ጆንሶን ዝኾነ ክታበት ኮቪድ-19 ንግዝይኡ ከምዘቋረጸቶ ጋዜጣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ነዚ ውሳነ ዝወሰነ፡ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ 6 ደቂ ኣንስትዮ ዝተራእየ ደም ናይ ምርጋእ ኣጋጣሚ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዘን ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 48 ዓመት ዝርከባ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ክታበት ጆንሶን …

Read More »

Harmony Media News 12/04/2021

Read More »

ጽልዋታት በዓል ፋሲካ፡ ኣብ ቬስተርቡተን

ቅድሚ እዋን በዓል ፋሲካ ኣብ ዝነበረ ሰሙን፡ መጠን መልከፍቲ ለበዳ ኮሮና፡ ክውሕድ እኳ ተራእዩ እንተ ነበረ፡  ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ ግን እቲ መጠን ከምእንደገና ከምዝዓበየ፡ ምምሕዳር ቬስተርቡተን (Västerbotten) ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 646 ሓደስቲ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝተረኽቡን እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ብ 179 ምውሳኹ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። …

Read More »

ቻይና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረዩ ክትባት፡ ትሑት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎ፡ ትብል

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈሪ ዘሎ ክታበት ኮቪድ-19፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ትሑት ምዃኑ ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ምቊጽጻር ሕማማት ቻይና ተኣሚኑ። ጋኦ ፉ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብቕዓት ናይቲ ክታበት ክብ ንምባል፡ ምስ ካልእ ባእታታት ክትሕውሶ ከም ዝኾነት እውን ሓቢሩ። ሃገረ ቻይና፡ ፍቓድ ዝረኸቡ ኣርባዕተ ዓይነታት ክትባት ጸረ ኮሮና እኳ እንተ ኣማዕበለት፡ ዛጊት ስሉጥነት እዞም ክታበት ትሕቲ 50% ከም ዝኾነ ተገሊጹ። …

Read More »

Harmony Media News 09/04/2021

Read More »

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንውጥን ዕድጊ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ኣዋዲቕዎ

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ ትካል ሰሩም፡ ህንዲ፡ ክገዝኦ ወጢንዎ ዝነበረ ፍርያት ኣስትራ ዘነካ፡ ክታበት ቫይረስ ኮሮና፡ ከም ዘዋደቖ ተገሊጹ። ናይዚ ተግባር ምኽንያት፡ ጒዳይ ቀረብ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ኣስትራ ዘነካ፡ ናብ ዕዳጋ መድሃኒት ኣመሪካ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን የቋምት ምህላዉ ተገሊጹ። ዘተኣማምን ቀረብ ክታበት ኣዝዩ የድልየና እዩ፥ ህንዲ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ናይ ሰደድ ሕጋጋት፡ ንነገራት ሓላሊኹ ኣሎ ክብል ሓላፊ ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ፡ …

Read More »

ሱልበሪ፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ተበይኑላ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኤርና ሱልበሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ የካቲት፡ ልዕሊ 10 ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ጽምብል ከምዝተረኽበት፡ ንመምርሒታት ኮሮና ምጥሓሳን፡ ፖሊስ፡ ናይ 20 ሽሕ ኖርወያዊ ክሮነ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከምዝበየነላ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ከምዚ ዓይነት መቕጻዕቲ፡ ንፈለማ እዋን ዝተበየነ ኮይኑ፡ ክብድ ዝበለ ምቕጻዕቲ ምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ምኽንያት ድማ፡ መምርሒታት ኮሮና፡ ብመንግስታዊ በዓል ስልጣን ስለዝተጣሕሰ ብምዃኑ እዩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com