Monday , May 20 2024

ጥዕና

ሰራሕተኛታት መናበይ ዓበይቲ፡ ምልክታት ከየርኣዩ፡ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም

ኮሌጅ ካሮሊንስካ ዝገበሮ መባእታዊ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ 5% ካብቶም ኣብ ሸውዓተ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑ ኣባላት፡ ብቫይረስ ኮሮና ከም እተለኽፉ ተገሊጹ። ካብ ዝሓለፈ ግንቦይ ጀሚሩ፡ ተመራመርቲ ኮለጅ ካሮሊንስካ፡ ኣብ ልዕሊ 3000 ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ መርመራ ኮሮና ከምዘካየደ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ መጠን ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ፡ ሰራሕተኛታት መናበይ ዓበይቲ፡ ብናህሪ ምውሳኹ ከም ተፈልጠን፡ …

Read More »

ጀርመን፡ ንመምርሒታት ኮሮና ኣብ ምትግባር ብምድንጓያ . . . . . መርከል ቁጠዐኣ ትገልጽ

መራሕቲ ምምሕዳራት መንግስታት ጀርመን፡ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ዘድልዩ ተወሰኽቲ መምርሒታት ክሳብ ሕዳር 25 ክትግበሩ ዘይምዃኖም ብምሕባር፡ ቻንስለር ጀርመን ኣንግላ መርከል፡ ነቲ ውሳኔ ብትሪ ከምትቃወሞ ገሊጻ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። ነዚ ቫይረስ፡ መዓልታዊ፡ ምቅላስ ኣገዳሲ እዩ ክትብል፡ መርከል፡  ኣገልግሎት ዜና ሮይቴርስ ሓቢራ። ብፍላይ ኣብ ከም በርሊን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት፡ እቲ ለበዳ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ይመጽእ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ሕማም ኮቪድ-19፡ ሳልሳይ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ተሰሪዑ

ክሳብ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ሕማም ኮቪድ-19፡ ሳልሳይ ብብዝሒ ሰባት ዝቐተለ ሕማም ኮይኑ ምጽንሑ ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ሽወደን፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ፡ ሕማም ልቢ ኮይኑ ካልኣይ ድማ ሕማም መንሽሮ እዩ። እቲ ክፍሊ ኣብ ዘውጽኦ ፍርቂ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ካብ ባሕቲ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ፡ ክሳብ 51534 ዝኾኑ ሰባት ምሟቶም ገሊጹ ክብል ኣገልግሎት …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 16 November 2020

Read More »

ኣድማዕነቱ 95% ዝኾነ ሓድሽ ኣሜሪካዊ ክታበት ጸረ ኮሮና ምርካቡ ተፈሊጡ

ኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና፡ ናይቲ ዘማዕበሎ ጸረ ኮሮና ክታበት ውጽኢት፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ፈተነ፡ ኣድማዕነቱ ክሳብ 95% ምብጽሑ ሓቢሩ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ገሊጹ። እዚ መድሃኒት ኣብ ልዕሊ 30ሽሕ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ዝዓሌቶም ሰባት (ኣፍሪቃ፡ ኤስያ፡ ኣመሪካን ላቲኖን) ከም ዝተፈተነን፡ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘይተመዝገበን እቲ ኩባንያ ሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ኣመሪካ፡ ቅድሚ ምዝዛም እዚ ዝሓዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ክልተ ዓይነት መድሃኒት ክታበት ክህልዋ እዩ ክብል …

Read More »

ካብ 8 ሰባት ዝበዝሕ ምትእኽኻብ፡ ብመንግስቲ፡ ኩልኩል ኮይኑ

ኣብ መላእ ሃገረ ሽወደን፡  ብዝተራእየ ቅሉጡፍ ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ተኣትዩ ብምህላዉ መንግስቲ ሽወደን፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ብዝሒ ዘሎዎም ጽኑዓት መምርሒታት ወሲዱ ከምዘሎ ብቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቨን፡ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ኩሎም ህዝባዉያን፡ ማሕበራዉያን ምትኽኻባት ካብ 8 ሰባት ንላዕሊ ምትእኽኻብ ከምዘይፍቀድ ተኣዊጁ ኣሎ። እዚ መምርሒ፡ ካብ ዕለት …

Read More »

ዝተረረ መምርሒታት ኮሮና ንተቐማጦ ያፍለቦሪን ቬስተርኖርላንድን (Yaflebori and Västernorrland)

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ለበዳ ቫይረን ንምቁጽጻር፡ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ያፍለበሪን ቫስተርኖርላንድን ዝተረረ ከባብያዊ ቀይድታት ኮሮና ከምዝወሰነ ሓቢሩ። እዚ ውሳነ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ክሳብ 13 ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ናይ ምቕጻል ተኽእሎ ከምዘለዎን ብምውሳኽ ሓቢሩ ክብል ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ገሊጹ። ኣብ መላእ ሽወደን ዘለዋ ኩለን ምምሕዳራት፡ ብዘይካ ምምሕዳር ዮምትላንድ፡ በዚ ውሳነ ዝጽለዋ ምዃነን እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ። እዞም …

Read More »

ስቶክሆሎም፡ መርመራ ኮሮና ቫይረስ ንኽገብሩ ቀዳምነት ዝወሃቦም ኣካላት ትመሚ

ኣብ ስቶክሆሎም፡ እቶም መርመራ ኮሮና ቫይረስ ንኽገብሩ፡ ቀዳምነት ዝወሃቦም ኣካላት፡ እቶም ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑን ኣብኡ ዝቕመጡ ኣረጋውያንን እዮም ክብል ምምሕዳር ስቶክሆሎም ከምዝወሰነ ተፈሊጡ። መርመራ ኮሮና ቫይረስ ክገብሩ ዝሓቱ ሰባት፡ ቁጽሮም ብጣዕሚ እናበዘሐ ብምምጽኡ፡ ቀዳምነታት ምስራዕ ኣገዳስነቱ እናዓበየ ምምጽኡ፡ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ኣረጋጊጹ። ስለዝኾነ ድማ፡ ንእንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ቀዳምነት ምሃብ፡ ንቡር ውሳኔ እዩ ክትብል ሓኪም ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ማርያ ሮትዜን …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 11 11 2020

Read More »

ሽወደናዊ በዓልመዚ ጥዕና፡ ተወሳኺ መርመራታት ኮሮና ንኽግበር ይጽውዕ።

ኣብ መላእ ሽወደን መርመራታት ኮሮና ንምክያድ፡ መንግስቲ፡ ሰሙናዊ  ክሳብ 270 ሚልዮን ክሮና ወጻኢ ክገብር ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቁጽሪ ዝካየዱ መርመራታት ክውስኽ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ሎሚ፡ ጻውዒት ምቕራቡን ተገሊጹ። ኣብ መበል 44 ሰሙን፡ ሽወደን፡ 193293 ናይ ኮሮና መርመራታት ምክያዳን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመሰረት መንግስቲ ሽወደን ምስ ማሕበር ምምሕዳራት ከተማ ዝገበሮ ውዕል፡ ዋጋ ናይ ነፍሲ ወከፍ መርመራ 1400 ክሮና ክኸውን ከም እትወሰነ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com