Friday , May 10 2024

ጥዕና

መጠነ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ክብረ ወሰን ሒዙ

ብዝሕ ዝበሉ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝልከፍሉ ዘለዉ እዋን ከም ዘለና ይግለጥ። ብመሰረት ጸብጻባት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ 230 ሽሕ ሰባት ዝልከፍሉ ኣጋጣሚ ከም እተፈጥረን፡ እዚ ድማ ዝለዓለ ኣሃዝ ምዃኑን ተሓቢሩ።  ዝበዝሑ መልከፍታት ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስትታ ኣመሪካ፡ ህንዲን፡ ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪካን እዮም ዘጋጥሙ ዘለዉ ኢሉ እቲ ጸብጻብ።፡  እቲ ናይ ቀረባ ዝበሃል ናይ 24 ሰዓታት ጸብጻብ ቅድሚ …

Read More »

ሽወደን፡ ካብ ፍርያት ክታበት ጸረ ኮሮና ቫይረስ እጃማ ኣውሒሳ ተባሂሉ

ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ፡ ኣስትራ ዚኒካ፡ ምስ ኦክስፎርድ ዮኒቨርስቲ ብምትሕብባር ካብ ዘማዕብሎም ዘሎ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ንሃገራት ኤውሮፓ ሕብረት ተባሂሉ ኣስታት 100 ሚልዮን ንኸዳሉ ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ሽወደን ድማ ካብቲ ፍርያት፡ እጃም ኣውሒሳ ምህላዋ ኣወሃሃዲ ክታበት፡ ሪቻርድ ቤርገስትሮም፡ ገሊጹ። ኣየናይ ዓይነት ክታበት ኣድማዒ ከም ዝኸውን’ኳ እንተዘይፈለጥና፡ ኣብ ዝተፈለለዩ ዓይነታት ግን ወፍሪ ነካይድ ኣለና። ኣብ ክረምቲ ምስ ገለ ኩባንያታት ብደረጃ ኤውሮፓዊ ሕብረት …

Read More »

ብቫይረስ ኮሮና ልኽፍቲ ምዃና እናፈለጠት ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሐት ሰበይቲ ናብ ፍርዲ ቀሪባ

ኣብ ምምሕዳር ሄሊፎሽ ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ እትሰርሕ ሰበይቲ ናብ ፍርዲ ቀሪባ ተባሂሉ። እዛ ሰበይቲ መርምራ ገይራ ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፈት ምስ ተሓበራ፡ ኩነታታ እናፈለጠት ናብ ስራሓ ከምዝኸደት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ፡ ነቲ ፍጻሜ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ሓደጋ ዘውርድ ከቢድ ፈተነ መጥቃዕቲ ብዝብል ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ክሲ መስሪቱ ኣሎ። ሕማም ኮቪድ-19፡ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም ከም ምዃኑ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ 10 ሓምለ 2020 Swedish News in tigrigna 10 juli 2020

Read More »

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኣብ ከክልተ ሰሙን ሓደስቲ ናይ መገሻ መምርሒታት ክወጽእ ምኻኑ ወሲኑ

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ክረምቲ ዘገልግል ናይ መገሻ መምርሒታት ኣብ ከክልተ ስሙን ከመሓላልፍ ምኻኑ ሓቢሩ። እቲ ውሳነ ካብ 15 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ 29 ሓምለ ንኻልኣይ ግዜ ስዒቡ ድማ ኣብ 21 ነሓሰ ክመሓላለፍ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ተቐያየሪ መምርሒታት መገሻ ናይ ሃገራት ምኻኑ TT ሓቢሩ። እዚ ዘሎ ኩነታት፡ ክግምገም ዘይክእልን ተቐያያርን እዩ። ከምዚ ኢሉ …

Read More »

መራሕቲ ኣውቶቡሳት፡ ዝያዳ ተሳፈርቲ ንኸይስቀሉ ንምኽልካል ዘፍቅደሎም ሕጊ ንኽህሉ ይሓቱ

ኣብ ኣውቶቡሳት ዝረአ ብዝሒ ተሳፈርቲ ንምቁጽጻር፡ መራሕቲ ኣውቶቡሳት፡ ዝያዳ ተሳፈርቲ ንኸይስቀሉ ክኽልክሉ ዘኽእሎም ሓድሽ ሕጊ ንኽፍቀድ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ስቶክሆሎምን ኩባንያ SL ከምዝሓተቱ TT ሓቢሩ። ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ስልጣን መራሕቲ ኣውቶቡሳት ንምውሳኽ ዘኽእል ጠለብ ናብ መንግስቲ ኣቕሪቡ ኣሎ። ናብ ከባቢ ኣውቲስታ ዝቐረቡ መናብር ተኸልኪሎም እካ እንተሃለዉ፡ ኣብ ኩለን ኣውቶቡሳት ግን ኣይኮነን። እዞም ዝተኸልከሉ መናብር ብጠለብ ኣውቲስታ እምበር ብሕጊ ዝተደገፉ …

Read More »

ኣወንታዊ ምዕባሌታት. . .ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘለዉ ሕሙማት ትሕቲ 100 ኮይኑ

ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝእለዩ ዘለዉ ሕሙማት ንፈለማ ግዜ ትሕቲ 100 ብምዃን ናብ 92 ሕሙማት በጺሑ። ብዝሒ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ኣወንታዊ ዝኾነ ዘገምታዊ ምጉዳል  የርእዩ ምህላዎም ኣብ ምምሕዳር ማሕበራዊ ውሕሰነት ሓላፊት ኣሃዱ ቅልውላው ዝኾነት ዮሃን ሳንድፋል ገሊጻ። ብጀካ ቁጽሪ ሕሙማት ኮቪድ-19 ናብ ዜሮ ምውራድ ካልእ ዝኾነ ዕላማ የብልናን ክትብል ሳንድፋል ወሲኻ። ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ፡ ኣብ …

Read More »

ኣብ ኤውሮፓ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 200 ሽሕ በጺሑ

ኣብ መላእ ኤውሮፓ፡ ምዝጉብ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 200 ሽሕ ምብጽሑን ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ድማ 2.7 ሚልዮን ምብጽሑ ጋዜጣ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 516 ሽሕ በጺሑ ኣሎ። ካብዚኣቶም እቶም 40% ኣብ ኤውሮፓ ዝሞቱ እዮም። ስለዚ፡ ኤውሮፓ፡ እታ ቀንዲ ብቫይረስ ኮሮና …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ 08 ሓምለ 2020 Svenska Nyheter På Tigrigna 08 Juli 2020

Read More »

መጠን ብዝሒ ጉዳያት ሕማም መንሽሮ ብ30% ቀኒሱ ተባሂሉ

ኣብ ስቶክሆሎም፡ መጠን ብዝሒ ጉዳያት ሕማም መንሽሮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን /2020 ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ ብ 30% ከምዝጎደለ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ምስ ሕማም መንሽሮ ዝተሓሓዝ መጠን ብዝሒ ጠለባት ኣገልግሎት ብዓቢ ደረጃ ምጉዳሉ፡ መጠን ብዝሒ መርመራታት ሕማም መንሽሮ ከምዝጎደለ ዝሕብር እዩ ክትብል ኣብ “ሳንዱቕ ሓገዝ ሕማም መንሽሮ” ሓላፊት ክፍሊ ኣገልግሎት፡ ኦልሪካ ሶንድሆልም፡ ገሊጻ። ንምጉዳል ጠለባት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com