Monday , May 20 2024

ጥዕና

ካብ ቀዳም ጀሚሩ፡ ዶባት ዴኒማርክ ንነበርቲ ምምሕዳር ስኮና ክፉት ክኸውን እዩ ተባሂሉ

ካብ ቀዳም ጀሚሩ፡ ዴኒማርክ፡ ንነበርቲ ምምሕዳር ስኮና ዝኾኑ ናብ መሬታ ክኣትዉ ከተፍቅደሎም ምዃና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ምምሕዳር ስኮና፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ርኡይ ዝኾነ ምጉዳል ቁጽሪ ናይ ግዳያት ኮሮና ከምዘርኣየትን ኣብ ዝቕጽል መዓልታት እቲ ቁጽሪ እንተ ዘይወሲኹ፡ ነቲ ዴኒማርክ ትሓቶ ብዝሒ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ክተማልኦ እያ። ዴኒማርክ፡ ዶባታ ንነበርቲ ስኮና ክፉት ምዃኑ እትሕብረሉ እዋን፡ ዝመጽእ ሓሙስ ክኸውን ከምዝኽእል ሬድዮ ሽወደን ግምታቱ …

Read More »

ኣሃዱ ጥዕና፡ ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕረፍቲ . . . ምስ ዘይንፈልጦም ሰባት ዝምድናታት ካብ ምፍጣር ንቆጠብ

ብዝሒ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ዘለዉን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡን ሰባት እናጎደለ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጎደናታት፡ ገማግም ባሕሪን ናይ ቱሪዝም ቦታታትን ዝእከቡ ሰባት እናበዝሐ ይኸይድ ምህላዉ ሃገራዊ ስግኣት ይፈጥር ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ እዋን ዕረፍቲ፡ ምስ ሓደስቲ ሰባት ዝምድናታት ክንምስርት ከምዘይብልናን ከምቲ ልሙድ ድማ ንመምርሒታት ኣሃዱ ጥዕና ተኸቲልና ክንቅጽል ይግበኣና ክብል ላዕለዋይ ሓላፊ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና፡ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንኻልኣይ ግዜ ክላባዕ ተኽእሎ ዘለዎ ማዕበል ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምብዳህ ምድላዋት ይጅምር

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ዝቕጽል ቀውዒ ከጋጥም ተኽእሎታት ዘለዎ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምብዳህ ንቤት ምኽሪ ምምሕዳራትን ኣርባዕተ ኣገደስቲ መንግስታውያን ትካላትን ሓላፍነት ከምዝሃበ መርበብ ሓበሬታ TT ኣቃሊሑ። እተን ኣርባዕተ ኣገደስቲ መንግስታውያን ትካላት ዝበሃላ፡- ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና፡ ምምሕዳር ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ናይ መድሃኒት ኤጄንስን በዓል መዚ ህጹጽ ረዲኤትን ሓለዋ ማሕበረኮምን  ምዃነን ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። ዕማም …

Read More »

ሆስፒታል ሶደርቴልያ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ካብ ማዕዶ ይከታተል

ሆስፒታል ሶደርቴልያ፡ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ካብ ማዕዶ ንኽከታተሎም ዘኽእል ሓዲሽ ኣገባብ ከምዘተኣታተወ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። እዚ ሓድሽ ኣገባብ፡ ሓደ ብኮቪድ-19 ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ንገዝኡ ዝማለኦም ሓንቲ ኮፒተር (ላፕ ቶፕ)፡ ጸቕጢ ደም፡ ኣብ ደም ዘሎ መጠን ኦክስጅን፡ ምስትንፋስን ረስንን ዝዕቅኑ መሳርሒታት ይወሃቦ’ሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ሰዓታት መርመራ ድሕሪ ምግባር ውጽኢት መርመራ ናብቲ ሆስፒታል ይሰድድ። እዚ ሓድሽ ኣገባብ፡ ንኩነታት’ቲ ሕሙም ብቐረባ ንኽንከታተልን ኣብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ 06 ሓምለ 2020 Svenska Nyheter På Tigrigna 06 Juli 2020

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ 13 ሰባት ሞይቶም ተባሂሉ

ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ዝተመዝገበ ድምር ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት 13 ጥራይ ከም ዝነበረን ጠቕላላ ድምር ናይቶም ኣብ መላእ ሽወድን ዝሞቱ ሰባት ድማ 5433 በጺሑ ኣሎ። ጠቕላላ ድማር ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ድማ 73061 በጺሑ ኣሎ። ጠቕላላ ቁጽሪ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝተገብረሎም ሰባት ድማ 2461 በጺሑ ክብል ጸብጻባት ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና …

Read More »

ኣቦ ወንበር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ካብ ሽወደን ክንመሃር ይግበኣና ይብል

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ዝተጠቀመትሉ ስትራተጂ ንምግምጋም፡ ሽወደን፡ ሓዳስ ኮሚቴ ምቛማ ዝነኣድ ተበግሶ እዩ ክብል ኣቦ ወንበር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ቴድሮስ ገብረየሱስ፡ ሓቢሩ። ሽወደን፡ ጸረ ለበዳ ኮሮና ዝወሰደቶ ስትራተጂ ክትግምግሞን ክትርደኦን ምፍታና ብጣዕሚ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑን፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ድማ ነዚ ሽወደን ትገብሮ ዘላ ጻዕርታት ከም ዝሙግስን፡ ካልኦት ሃገራት ኣሰር ሽወደን ክስዕባ ከምዝግባእ፡ ገብረየሱስ ምስ ጋዜጣ ስቨኒስካ ዳግብላደት ኣብ ዝገበሮ …

Read More »

ሶማላውያን ዒራቓውያንን ሶርያውያንን ብዝለዓለ መጠን ግዳያት ሞት ኮሮና ይኾኑ ኣለዉ ተባሂሉ

ምስ ዓመታት 2016-2019 ብምውድዳር ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት እዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት ኣብ ዝነበራ ኣዋርሕ ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ዒራቓውያን: ሶማላውያንን ሶርያውያንን ካብቲ ካልእ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ብ 200 % ዝለዓለ መጠን ግዳያት ሞት ምኳኖም ሓድሽ መጽናዕቲ ምምልካቱ ኤክስፕረስ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።ብኣንጻሩ ኣብ ሽወደን እተወልዱን ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡን ሰባት መጠነ ሞት ብ ኣሉታ 1 ምንካዩን ናብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Swedish News in Tigrigna 03 July 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. ብዙሓት ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝተወለዱ ነባሮን ዜጋታትን ሽወደን ብቫይረስ ኮሮና ንሃንደበትነት ከምዝተቓልዑ ተሓቢሩ። 2. ሓይልታት ፖሊስ ሕብረት ኤዉሮፓ ማለት ኢሮፖል ሓባራዊ ምንቅስቓስ ኣንጻር ገበን ምክልኻል የካይዱ ከምዘሎዉ ተገሊጹ። ብተወሳኺ ኣብ ዩቱብ ዝርከብ ቻነል ኣልኮምፒስ ትግርኛ ኣባላት ንምዃን subscribe ብምግባር ተሳታፍነትኩም ከተረጋግጹ ንላቦ። mehari#sverige #alkompis #sweden #Tigrinja

Read More »

ኣሜሪካ፡ 90% ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከብ “ረመዲስቪር” ብምሽማት ንዓለም ባዶ ተትርፋ

 ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዳርጋ ኩሉ ብርክታት ናይቲ ንለበዳ ኮሮና ከም ዝከላኸል ዝእመነሉ መድሃኒት “ረመዲስቪር” ብምሽማት ንዓለም ባዶ ከም ዘትረፈታ ይንገር ኣሎ። እዚ መድሃኒት ዋጋኡ ክሳብ 2340 ዶላር ኣመሪካ ከም ዝበጽሕ ይግለጽ። እዚ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ ጸረ ቫይረስ መድሃኒት ዝሸይጥ ትካል “ጊልዓድ” ኣብ 2014 ኢቦላ ንምፍዋስ ተባሂሉ ብኤጀንሲ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ዝተማህዘ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብኤጀንሲ መድሃኒታት ሕብረት ኣውሮጳ ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com