Friday , May 10 2024

ጥዕና

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ጌጋ ዋጋታት ዝሓዘሉ ሕክምናዊ ቅብሊታት በጺሕዎም ተባሂሉ

ኣብ ከባቢ ኮሮኖበሪ፡ ስቶክሆልም፡ ዝርከባ ናይ ጥዕና ማእከላት፡ ልዕሊ 1250 ቅብሊታት ብጌጋ ናብ ዓማዊል ከምዝሰደደ TT ሓቢሩ። ሓፈሻዊ ሕክምናን ናይ ስኒ ሕክምናን ንዝገበሩ ሰባት፡ ዝተላእኩ ቅብሊታት፡ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት፡ ዋጋታት ብተዓጻጻፊ ወሲኹ ከምዝተጻሕፈ ቤት ምኽሪ እቲ ከባቢ ገሊጹ። እቶም ቅብሊታት ዝበጸሖም ዓማዊል፡ እቲ ቅኑዕ ዋጋ ጥራይ ክኸፍሉ ከምዘለዎም፡ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ እቲ ዝኸፈልዎ ዝይዳ ገንዘብ ክምለሶም ምዃኑ ቤት …

Read More »

መስርሕ ውሸባ፡ ስድራቤት ሕሙም፡ ዝትግበረሉ መንገድታት ይጽናዕ ኣሎ ተባሂሉ

ስድራ ቤት ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኣብ ገዝኦም ክውሸቡ ከድለዮም እዩ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ መስርሕ ውሸባ ስድራቤታት ዝካየደሉ መንገድታት ንምንዳይ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ስቶክሆሎም መጽናዕታት የካይድ ኣሎ ክብል ሓላፊ ሓለዋ ጥዕና ስቶክሆሎም፡ ብዮሪን ኤሪክሶን፡ ገሊጹ ክብል SVT ሓቢሩ። ኣማኻሪ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ንምውሳኽ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ስቶክሆሎም ኣመልኪቱ፡ በዓል መዚ ጥዕና፡ ኣገደስቲ ስጉምታት ንምውሳድ፡ መጽናዕቲ …

Read More »

መጠን ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን፡ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ትማሊ ዕለት 22/09/2020፡ ሽወደን፡ 5 ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ኣመዝጊባ። በዚ ድማ፡ ጠቕላላ ድምር ናይቶም ብኮሮና ዝሞቱ ሰባት ናብ 5870 ክብ ክብል እንከሎ፡ ብዝሒ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ናብ 89436 ምብጽሑ ተፈሊጡ። ኣብ ሽወደን፡ ወላ’ኳ እቲ ቁጽሪ ውሑድ እንተኾነ፡ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ ምህላዉ ኣማኻሪ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ኣንዲሽ ቲግኒል ምስ መርበብ ሓበሬታ TT ኣብ ዘካየዶ ርክብ …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ስኮና፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሳልሞኒላ፡ 5 ሽሕ ሓሰማ ተቐቲሎም

ኣብ ምምሕዳር ስኮና፡ ደቡብ ሽወደን፡ ዝርከባ ሕርሻታት እንስሳ ብሰንኪ ዝተራእየ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሳልሞኒላ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ሓሰማ ክቐትላ ከም ተገደዳ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እተን ሓሰማ ቅድሚ ምሕራደን ብዝተገብረለን መርመራ፡ ብሳልሞኒላ ከምተለኽፋ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሳልሞኒላ፡ ኣብ ልዕል ፍርያት እንስሳ ዘለወን ሕርሻታት ናይቲ ምምሕዳር ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ኤውሮፓ ዝርከባ ሓሰማ፡ ብለበዳ ሳልሞኒላ ብቐሊሉ ከምዝልከፋ ዝፍለጥ እኳ እተኾና፡ ብኸመይ ኣገባብ ናብ …

Read More »

ኣብ ኦምዩ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ወሲኹ ተባሂሉ

ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ክውስኽ ከምተራእየን፡ ክሳብ 22 ሰባት፡ ብኮሮና ከምተለኽፉን መብዛሕትኦም ድማ ካብ ኦምዮ ምዃኖም፡ በዓል መዚ ጥዕና ምምሕዳር ቬስተርቡተን ሓቢሩ። ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ ከምዘሎ ንዕዘብ ኣለና። እቲ ጉዳይ መልከፍቲ፡ ብውልቅን ብሓንሳብ ዝነብሩ ኣባላት ስድራቤትን ዝምልከት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጥንቃቐ ክገብር ከምዘለዎን ብፍላይ ድማ ናብ ቤት ምግብታትን ኣብ ዝኸድሉ እዋናት መምርሒታት ማሕበራዊ …

Read More »

ኣብ ሓደ ገዛ፡ ልዕሊ 10 ሰባት ከይእከቡ፡ ኦስሎ፡ ተጠንቅቕ

ካብ ሎሚ፡ ዕለት 22/09/2020፡ ሰዓት 12 ፍርቂ መዓልቲ  ጀሚሩ፡ ኣብ ሓደ ገዛ፡ ልዕሊ 10 ሰባት ክይእከቡ፡ በዓል መዚ ኖርወይ ከምዝኸልከሉ ሓቢሮም። እዚ መምርሒ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ተባሂሉ ንኽልተ ሰሙን ዝቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ ክብል SVT ኣቃሊሑ። ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ድማ ማስክ ምኽዳን ግዴታ ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ኦስሎ ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና፡ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ኮይኑ ስለዘሎ፡ …

Read More »

ኣብ ማልመ ዝርከባ መዘናግዒ ቦታታት፡ ተቐጺዐን ተባሂሉ

ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ኣብ ከተማ ማልመ ዝርከባ ቤት መግብታት፡ ባራትን እንዳ ሻሂታትን ልዕሊ እቲ ፍቑድ ብዝሒ ሰባት ብምእንጋደን ኣደዳ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ኮይነን ክብል ምምሕዳር ኣከባቢ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ። ኣብዘን ዝተጠቕሳ መዓልታት፡ ካብቶም ዝተኻየዱ 50 ናይ ምቁጽጻር ስርሒታት፡ 9 ጥራይ ሕጊ ዝጠሓሳ ተረኺበን። ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ ምምሕዳር ኣከባቢ፡ ኣስታት 810 ናይ ምቁጽጻር ስርሒታት ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም 80 ዝኾኑ …

Read More »

ናብ ፊንላንድን ስሎቨክያን ተኸልኪሉ ዝጸንሐ መገሻ፡ ፍቑድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ሓቢሩ

ካብ ሎሚ ዕለት 21/09/2020 ጀሚሩ፡ ናብ ፊንላንድን ስሎቨክያን ተኸልኪሉ ዝጸንሐ መገሻ፡ ፍቑድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ከምዝሓበረ TT ገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ፊንላንድ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚራ ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጽዋ በጻሕቲ፡ ካብ መስርሕ ውሸባ ነጻ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባራ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሓቢሩ። ስሎቨክያ ብወገና ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጽዋ በጻሕቲ፡ ካብ መስርሕ ውሸባን መርመራ ኮሮናን ክገብሩ ዝግድድ መምርሒ ነጻ …

Read More »

ስቴፋን ሎቪነ፡ ካብ ስርሖም ዝተባረሩ ሰባት፡ ዘሻቕል የብሎምን ይብል

ነፍሲ ወከፍ ክሰርሕ ዝኽእል ሰብ፡ ክሰርሕ ይግበኦ። እቶም ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ካብ ስረሖም ዝተባረሩን ዛጊት ስራሕ ዘይረኸቡ ዘለዉ ሰባት ግን ዘሻቕል ነገር ከምዘየለ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን ገሊጹ። ስለዝኾነ ድማ እዩ መንግስቲ፡ ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ኣብ እዋን ቀውዒ ብምውሳኽ፡ ንዝያዳ ሰባት ከምዝሽፍን ዝኾነ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ መንግስቲ፡ ክሳብ ዓመተ 2022 ዝበጽሕ፡ ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት ንኽኸፍል ዝሸባሸብ ዘሎ …

Read More »

ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክኸውን ዝኽእል ናይ ኣትክልቲ መድሃኒት እንተተረኺቡ፡ ንኽፍተን፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣፍቂዱ

ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ዝንገረሎም ካብ ኣትክልቲ ዝስርሑ ኣፍሪቃውያን መድሃኒታት (Herbal Medicine)፡ ናብ ላባራቶሪ ኣምጺእካ ንኽምርመሩ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣፍቂዱ። 140 ዝኾኑ ዓይነታት (ናይ ክታበት ኮሮና) መድሃኒት ይምዕብሉ ከምዘለዉ ብዓሰርተታት ዝቑጸር ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብ ናይ ምፍታን መድራኽ በጺሐን ከምዘለዋ ይፍለጥ። ኣብ ዓለምና፡ ኣስታት 30 ሚልዮን ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 953 ሽሕ ድማ ብሰንኪ እዚ ሕማም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com