Monday , May 20 2024

ጥዕና

ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ንመስርሕ ፈተነ ክታበት ኮሮና፡ ኣቋሪጽዎ ተባሂሉ

ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ከሰላስሎ ዝጸነሐ፡ ሳልሳይ ደረጃ፡ መስርሕ ፈተነ ክታበት ኮሮና፡ ንግዚኡ ከምዘቋረጾ ምሕባሩ ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ፡ ዝካየድ ዘሎ ፈተና ዝሳተፍ ወለንተኛታት  ድሕሪ ምሕማሙ እዩ። ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ስም እቲ ሕማም ኣይጠቐሰን። ጠንቂ ናይቲ ሕማም ንምፍላጥ፡ ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ መጽናዕታት የካይድ ምህላዉ SVT ሓቢሩ። ኣብ መስርሕ ፈተና እንከለኻ፡ ናይ ምሕማምን ካልእ ዓይነት …

Read More »

ኖርወይ፡ ምስ ሽወደን ዘራኽባ ዶብ ክትዓጹ ትዳሎ

ኮሌጅ ህዝባዊ ጥዓና ኖርወይ፡ ንሽወደናዊት ምምሕዳር ያምትላንድ ሃሪዶለን፡ ኣብ ናይ ቀይሕ ዞን ከእትዋ ንመንግስቲ ኖርወይ ምኽሩ ኣቕሪቡ። እዚ ማለት፡ እቶም ካብ ሽወደን ናብ ኖርወይ ዝኣትዉ ገያሾ፡ ውሸባ ክገብሩ ከምዘለዎም ክግደዱ እዮም ማለት እዩ። ብኻልእ ወገን፡ ምስ ሽወደን ዘራኽባ ዶብ ከም እንደገና ክትዓጽዎ እያ ክብል SVT ሓቢሩ። ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ምምሕዳር ያምትላንድ፡ ብጫ ዞን ስለ ዝተባህለት (ማለት ውሸባ ዘየድልዮም)፡ ምስ ትሮንድላግ (Tröndelag) …

Read More »

ንኣረጋውያን ዝኸውን ሓድሽ መድሃኒት ክታበት፡ ጸረ ወቕታዊ ሰዓል፡ ተረኺቡ

በዓል መዚ ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ንፈለማ ግዜ፡ ንልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣረጋውያን፡ ሓድሽ ጸረ ወቕታዊ ሰዓል (säsongsinfluensa) ዝኾነ ክታበት ክህብ ወሲኑ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ክታበት ወቕቲ ቀውዒ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ማለት፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ እዚ ሓድሽ ጸረ ወቕታዊ ሰዓል ዝኾነ ክታበት ንኣረጋውያን ክወሃብ ክጅምር እዩ። ምምሕዳራት ስኮና፡ ስቶክሆልም፡ ሶርምላንድን ያቭሊቦሪን ካብዚ ክታበት ንኽወሃበን ሓቲተን ምህላወን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ሓድሽ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrigna 07 መስከረም 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ 07 መስከረም 2020 ዜና፣- 1. ንግዳያት ቫይረስ ኮሮና ዝዋሃብ ሓበሬታ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ከምዝፈላለ ሓደ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ። 2. ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 126 መንሰያት ብሰንኪ ዘይተመጣተነ ምጥቃም ሓሺሽ፣ ሂወቶም ከምዝሳኣኑ ተሓቢሩ። መታሓሳሰቢ፣ ኩሉኹም ኣብ ዝተፈላለየ ንግድን መዉሃቢ ኣገልግሎት ዝተዋፈርኩም፣ ትካላትኩምን ፍርያትኩምን ንምልላይ ይኹን ሓበሬታ ብመገዲ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሓልኩም ይኹን መዋዓዉዒ ሬክላም ክግበረልኩም እትደልዩ፣ ትካላት፣ …

Read More »

ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ከም ዘልዓሎ ሓቢሩ

በዓል መዚ ኣሃዱ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ (Stabsläge) ከምዘልዓሎን ስራሓት ድማ ናብ ንቡር ኩነታቶም ከምተመልሱ ሓቢሩ ክብል SVT ኣመሓላሊፉ። ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብምንካዩ፡ ኣብ መላእ ሆስፒታላት ናይታ ምምሕዳር ኣስታት 30 ሰባት ጥራይ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ምህላዎም፡ እቲ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ (Stabsläge) ከም ዘብቅዐ ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ቢዮሪን ኤሪክሰን ሓቢሩ። እቲ …

Read More »

ኣብ ኖርወይ፡ መጠን ዝርገሐ መልከፍቲ ኮሮና ወሲኹ ተባሂሉ

መጠን ዝርገሐ መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ ይውስኽ ምህላዉ ኣብ ኖርወር ዝሕተም ጋዜጣ NRK ሓቢራ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንፈለማ ግዜ ካብ ወርሒ ሚያዝያ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ፡ ልዕሊ እቲ ኣብ ሽወደን ዝተመዝገበ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ሽውዓተ መዓልታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ፡ 14 ካብ 100 ሽሕ ሰብ፡ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሽወደን ግን 11 ካብ 100 ሽሕ ሰብ፡ ምምዝጋቡ ጋዜጣ NRK …

Read More »

ናይ ጓሓፍ መካይን ዝስከመኦ ዘለዋ ክብደት፡ ልዕሊ ዓቕመን ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

ካብ ኣትክልቲ ናብ መሬት ዝወደቑ ፍረታት፡ ኣኪብካ ኣብ እንዳ ጓሓፍ ምእታው ተመራጺ ኣይኮነን። ናይ ጓሓፍ መኪና፡ ንተወሳኺ ክብደት ጽሟቕ ናይ ፍረታት ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ ክብል ካብ ቫስትማንላንድ ዝፍነው ሬድዮ ሽወደን P4 ሓቢሩ። ብጽሟቕ ናይ ፍረታት ዝፍጠር ተወሳኺ ሚዛን ሒዝና ክንዝውር ብጣዕሚ የሸግረና እዩ። እታ መኪና ንኸምዚ ዓይነት ጸቕጢ ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ። ኣብ መጨረሽታ ድማ፡ ኣብ ጎደናታት ጥብጥብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ ዕድል ድዩ?

ሓምሻይ ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ቅድም ንብሕቱ ከይዱ ተመርሚሩ መጺኡ፡ እዚ’ኳ ጌጋ እንተኾነ ደላዪት ብምዃነይ ኣይጸላእኩዎን ሽዑ ንዓይ ረኺቡ በይኑ ከም እተመርመረን ነጻ ከም እተባህለን ሓቢሩኒ። ብሓንሳብ ምኻድ ትርጒም ከም ዘይብሉ’ውን ነጊሩኒ። ኣነ ግና ኣይተቐበልኩዎን፡ ምስ’ቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ኣተኣሳሲረ ክምርመር ኣይደለየን’ዩ ዝብል ጥርጣረ’ዩ ሒዙኒ። ብሓንሳብ ከይድና ክንምርመር ኣለና ኢለ ድማ ኣብ መትከለይ ደሪቐ። ዓመታት ብፍቕሪ ተጓዒዘ ንዳዊት ወኒነ ምልእቲ ሰብ ክኸውን …

Read More »

ኮሮና፡ ጠንቂ ምንቅስቓስ ጥንሲ ክኸውን ከምዝኽእል መጽናዕታት ይሕብሩ

ጥንሲ ዝሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ብኮሮና ምስ ዝልከፋ፡ ቅድሚ ግዜአን ናይ ምውላድ ሓደጋአን ከም ዝውስኽ ብርክት ዝበሉ ተመራመርቲ ዝኣከብዎም መጽናዕትታት ይሕብሩ። በዚ ድማ ኣብ ጥንሲ ዝርከባ ሕሙማት ኮሮና ደቀንስትዮ ጽዑቕ ምክትታል ከም ዘድልየን ተገሊጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ጥንሲ፡ ብኮሮና ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ከም ዘዛይድ SVT ሓቢሩ። ካብ ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ስፔይን፡ ሆላንድን ካልኦት ሃገራትን ዝተረኽቡ ክኢላታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ 11500 ኣብ ፈለማ ናይ …

Read More »

ስነ ኣእምሮኣዊ ኩነታት፡ ሽወደናውያን ቆልዑ፡ ዝተሓተ እዩ ተባሂሉ

ስነ ኣእምሮኣዊ ዕቤት ቈልዑ ሽወደን ምሰቶም ናይ መዛኑ ሃገራት ዝኾኑ ቆልዑ ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምህላዉ ንጸብጻብ ዩኒሰፍ ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ከምዚ ደረጃ ምውራድና ዘሕዝን እዩ ክትብል ንመሰል ቈልዑ ሓላፍነት እትወስድ ሚኒስተር ኦስላ ሊንድሁን ገሊጻ። ኣብ ዓለም ካብተን ዝሃብተማ ሃገራት ክንለና: ቆልዑና ስነ ኣእምሮኦም ዘይርጉእ ምዃኑ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ጌርና ኢና ንቖጽሮ። መንግስቲ ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ብዙሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com