Saturday , April 27 2024

ጥዕና

ንምግታእ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምግታእ ተባሂሉ መንግስቲ ዝመደቦ መርመራ ከምቲ ዝድለ ይሳለጥከምዘየለ ተሓቢሩ ።

ኣብ ሽወደን ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምግታእ ተባሂሉ መንግስቲ ዝመደቦ መርመራ 100 000 ሰባት ኣብ ሰሙን ከምቲ ዝድለ ይሳለጥ ከምዘየለን፣ ዛጊት ትሕቲ ፍርቂ ናይዚ ዝተመደበ ቁጽሪ መርመራ ጥራይ ከምዝተመዝገበ፣ ንኣዋሃሃዲት ምርመራ ኮቪድ 19 ሃሪየት ቫልበርይ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት እታ ባዓል መዚ ብሰንኪ ኣብ ገለ ዞባታት ዝተገበረ ልዕልን ትሑትን ምቅርራብ፣ ቁጽሪ ተመርመርቲ ክትሕት ከምዝገበረን፣ ነዚ ምዕሩይ ንምግባሩ ይስራሕ ከምዘሎ …

Read More »

ባይቶ ሽወደን ንብዝሒ ሞትን ምስፍሕፋሕን ኮቪድ 19 ብዝምልከት ፍሉይ ናይ ክትዕ መድረኽ ከካይድ እዩ።

ባይቶ ሽወደን ኣብ መእለይን ኣብያተ ክንክንን ኣረጋዉያን ማለት äldrevården ንዝተራእየ ብዝሒ ምልባዕ ለበዳ ኮቪድ-19፣ መን ሓላፍነት ይዉሰደሉ ኣብ ዝብል ጉዳይ ፍሉይ ናይ ክትዕ መድረኽ፣ከምዘካይድ ኣገልግሎት ዜና ተተ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እብዚ ሃገር ብፍላይ ኣብ ገለ ገለ ዞባታት ኣብ ኣብያተ ምእለይ ኣረጋዉያን ዝተራእየ ሰፊሕ ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ስዒቡ፣ ዝበጽሐ ሞት ብዕድመ ዝደፍኡ ተኣለይቲ ኣረጋዉያን ምኽሳቱ፣ ዓቢ መዛራቢ ነጥቢ ብምዃኑ፣ ሰልፍታት …

Read More »

መንግስቲ ምእካብ ህዝቢ ንምውጋድ ን ህዝባዊ መጓዓዝያ ናይ ሰለስተ ሚልዮን ሓገዝ ክገብር እዩ።

መንግስቲ ብማእከላይን ሊበራልን ሰልፊ እናተደገፈ ን ጽላት መጓዓዝያ ናይ 3 ቢልዮን ክሮና ክገብር ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና TT ተገሊጹ።፡ እዚ ድጎማ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝተኸስተ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንምሽፋን ከገልግል እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ብምኽንያት እዚ ለበዳ መዓልታዊ ፍሰት ተጓዓዝቲ ምንካዩን ካብ ጽላት መጓዓዝያ ዝርከብ ዝነበረ ግብሪ ምጒዳሉን ዝፍለጥ እዩ።” ክትብል ሚኒስተር ኣከባቢ ኢሳቤላ ሉፊን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብሪሃ። እዚ ይዂንምበር ሰብመዚ …

Read More »

ምብራቓዊ ክፋል ዮተበሪ ብፍላይ ብለበዳ ኮሮና ከም እተጠቕዐ ተገሊጹ።

ንፈለማ እዋን ዝወጹ ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ ኣብ ኣብ ቫስትራ ኣውራጃ ጉታላንድ ለበዳ እቲ ቫይረስ እኳ እንተንቈልቈለ ምብራቓዊ ዮተበሪ ግና ብፍላይ ይጥቃዕ ምህላዉ ኣመልኪቶም። ቫስትራ ጁታላንድ 30 ሽሕ ዝኾኑ ክልከፉዋ እንከለዉ ኣብ ቀረባ እዋን እዚ መልከፍቲ ምንቊልቋሉ ሓላፊ ምቊጽጻር እዚ ለበዳ ቶማስ ዋልፐሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት ዝጸንሑ ጸብጻባት ዝበዝሑ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቶትበሪ እኳ እንተጸንሐ …

Read More »

መንግስቲ ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ስእነት መድሃኒት ዝተፈጥረ ቅልዉላዉ ከምዘየለ ሓቢሩ።

መንግስቲ ሽወደን ብስንኪ ስእነት መድሃኒት ዝተፈጥረ ቅልዉላዉ ከምዘየለ ንምኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሌና ሃለንግረን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኤኮት ሓቢሩ። እታ ሚኒስተር ካብ ወሃቢት ቃል ማሕበራዊ ጉዳያት ናይ ሰልፊ ሞደራት ንዝቐረበ፣ መንግስቲ ንዞባታት እዛ ሃገር እኹል ቀረብ መድሃኒት ኣየቕረበን፣ እዚ ኸኣ ንቕልዉላዉ ሕጽረት መድሃኒት ጠንቂ ከምዝኾነ፣ ንዝብል ክሲ ብምንጻግ፣ ኣብ ሽወደን እኹል ተረፍ መድሃኒት ኣብ መኽዘን ኣሎ እኳ እንተዘይተባህለ፣ ብቕልዉላዉ ዝግለጽ ሕጽረት …

Read More »

ሰራሕተኛታት ካሮሊንስካ ኮሮና ቫይረስ እናሃለዎም እውን ምስራሕ ይቕጽሉ ኣለዉ ተባሂሉ።

ንጹር ምልክታት ኮሮና ዘየርእዩ ሰራሕተኛታት ክሰርሑ ይሕተቱ ምህላዎም ውሽጣዊ ሰነዳት ሆስፒታል ካቶሎንስካ ብምጥቃስ SVT ሓቢሩ። እዚ ሰነድ ናብ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ከም እተላእከን ከም ኣካል ናይቲ መጽናዕቲ ድማ ሳምፕላት ከም እተወስደሎም ተገሊጹ። እቲ ሕማም ከም ዘለዎም እተነግሮም ሰራሕተኛታት ናብ ቤቶም ክምለሱን እቶም ምልክታት ድሕሪ ምቕሃሞም ተመሊሶም ክሰርሑ ይሕበሩ ምህላዎምእቲ ሰነድ ኣቃሊዑ’ሎ። ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት እዚ ስጒምቲ ” ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ …

Read More »

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና እገዳ ምውሳድ ድራግ ንዝኽልክል ሕጊ ዳግማይ ይምርምሮ።

ኣብ ሽወደን ድራግ ምውሳድ ክልኲል እዩ። ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ነዚ ሕጊ መንግስቲ ብምብዳህ ዳግማይ ክምርምሮ ምጅማሩ ተገሊጹ። ኤጀንሲ ጥዕና ፖሊስ ድራግ ሒዞም ንዝርከቡ ሰባት ኣብ ምህዳን ብዙሕ ጸጋታት ሃገር ከም ዘባኽኑን ነቲ ከም መመርመሪ ተጠቀምቲ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ምውሳድ ሽንቲ ከም ዝቃወምዎን ይፍለጥ። “ንተጠቀምቲ ድራግ ምቕጻዕ ብዙሕ ውጽኢታዊ ኣይኮነን” ይብል ሓደ ካብ ዓበይቲ ክኢላታት ሕማማት ወልፊ ዝኾነን መምህር ሕክምና ስነኣእምሮን …

Read More »

በዓልመዚ ጥዕና ስቶክሆልም ሽማግለታት ንምክልኻል ንጹር መምርሒ ይጠልብ።

ሰብመዚ ከተማ ስቶክሆልም ሽማግለታት ንምክልኻል ንጹር ናይ ሕጊ መምርሒ ከም ዘድልዮ ንበዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሓቲቱ። ለበዳ ኮሮና ምስቲ ዝነበሮ ብምንጽጻር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቕነ ዘገምታ ምርኣዩ ተፈሊጡ’ሎ። “እዞም ሰብመዚ ንጹር ሓበሬታ ክቕርቡ ዘይምኽኣሎም ዓቢ ጒድለት እዩ” ክብል ከንቲባ እታ ከተማ ኣና ገርልመር ሎሚ ንኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። በዓልመዚ ጥዕና ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሽማግለታት ማስክ ክወድዩ ከም ዘለዎም ድማ …

Read More »

መንግስቲ ብ ኣገባብ ኣመራምራ ኮቪድ-19 ከምዘይዓገበ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣብ ዞባታት ዝካየድ ዘሎ መርመራ ኮቪድ-19ን ዝኸዶ ዘሎ ፍጥነትን ዘገምተኛ ብምዃኑ እቲ ፍጥነት ክውስኽ ይግባእ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሌና ሃሊንገር ምልባዋ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ሃሊንግረን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሎሚ 29 ሽሕ መርመራ ምክያዶምን እዚ ድማ ምስቲ ዝድለ ዝወሓደ ምዃኑን ሓቢራ’ላ። መንግስቲን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ መፋርቕ ግንቦት ኣብ ሰሙን ልዕሊ 100ሽሕ ሰባት …

Read More »

ፍልስፍና ኣብ እዋን ኮቪድ-19።

ፈላስፋታት ብግብሪ ኣብ ቅድመ ግንባር ምምካት ለበዳ ኮሮና ተሰሊፎም ከይረኣዩና ይኽእሉ እዮም፥ ይዂን’ምበር ዝጻወትዎ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም። ኣብ እዋን ጸበባ ፍልስፍና ገለ እትብሎ ነገር ይህልዋ እዩ። ለበዳ ኮሮና ንዓለምና ኣጨኒቕዋ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ብፍላይ ጥበብ ፍልስፍና” ስቶይሲዝም” ዝያዳ ኣገዳስነት ረኺቡ’ሎ። ” ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝኾኑ ነገራት እንከጋጥመካ ምጭናቕ ኣቋርጽ” ዝብል ኣባህላ ሰነካ እታ ልምድቲ መትከል እያ። ሃይማኖተኛታት ብወገኖም ” ኦ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com