Thursday , May 9 2024

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና እገዳ ምውሳድ ድራግ ንዝኽልክል ሕጊ ዳግማይ ይምርምሮ።

ኣብ ሽወደን ድራግ ምውሳድ ክልኲል እዩ። ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ነዚ ሕጊ መንግስቲ ብምብዳህ ዳግማይ ክምርምሮ ምጅማሩ ተገሊጹ። ኤጀንሲ ጥዕና ፖሊስ ድራግ ሒዞም ንዝርከቡ ሰባት ኣብ ምህዳን ብዙሕ ጸጋታት ሃገር ከም ዘባኽኑን ነቲ ከም መመርመሪ ተጠቀምቲ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ምውሳድ ሽንቲ ከም ዝቃወምዎን ይፍለጥ። “ንተጠቀምቲ ድራግ ምቕጻዕ ብዙሕ ውጽኢታዊ ኣይኮነን” ይብል ሓደ ካብ ዓበይቲ ክኢላታት ሕማማት ወልፊ ዝኾነን መምህር ሕክምና ስነኣእምሮን ማርኩስ ሄይሊግ። ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ድራግን ኲነታት ጥዕናን እናንቈልቈሉ ምምጽኦም ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ነዚ ኲነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ሓድሽ ስትራቴጂ ክነድፍ ምጽንሑን ድማ ተገሊጹ።

ብዙሓት ካብዞም ብኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ዝቐረቡ እማመታት ብ ቤትጽሕፈት ፖሊሲ ድራግ ክትዕ ክግበረሎም ምጽንሑን ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት እዚ ኤጀንሲ እዚ ኣብ ምጥቃም ድራግ ተጻዒኑ ዝጸንሐ እገዳ ዳግማይ ክኽለስ ይግብኦ እዩ። ምኽንያቱ ድም እዚ ሕጊ እገዳ ብዛዕባ ዘስዓቦ ውጽኢት ምንም እዂል ሓበሬታ ዘይምህላዉ እዩ ይብል። እዚ እማመ ብማእከላይን ጸጋማይን ሰልፊትት ደገፍ ዝረኸበ ኰይኑ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ግና ብርቱዕ ተቓውሞ ኣስሚዑ’ሎ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊርና ሃለንግረን እዚ እማመ ንመንእሰያት ዘይግቡእ መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፍ ዘሎ፥ ስለዚ ድማ እቲ ክለሳ ሕጊ ክግበር የብሉን ኢላ። ብዘይካዚ እዚ ኤጀንሲ ንኣድላይነት ክፍሊ መርፍእ እውን ክምርምሮ ምዃኑ ንዘቕረቦ እማመ ሚኒስተር ሌና መልሲ ክትህበሉ ከም ዘይትደሊ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com