Wednesday , May 8 2024
Jessica Gow / TT kod 10070

ሰራሕተኛታት ካሮሊንስካ ኮሮና ቫይረስ እናሃለዎም እውን ምስራሕ ይቕጽሉ ኣለዉ ተባሂሉ።

ንጹር ምልክታት ኮሮና ዘየርእዩ ሰራሕተኛታት ክሰርሑ ይሕተቱ ምህላዎም ውሽጣዊ ሰነዳት ሆስፒታል ካቶሎንስካ ብምጥቃስ SVT ሓቢሩ። እዚ ሰነድ ናብ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ከም እተላእከን ከም ኣካል ናይቲ መጽናዕቲ ድማ ሳምፕላት ከም እተወስደሎም ተገሊጹ። እቲ ሕማም ከም ዘለዎም እተነግሮም ሰራሕተኛታት ናብ ቤቶም ክምለሱን እቶም ምልክታት ድሕሪ ምቕሃሞም ተመሊሶም ክሰርሑ ይሕበሩ ምህላዎምእቲ ሰነድ ኣቃሊዑ’ሎ። ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት እዚ ስጒምቲ ” ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ” ክብሉ ገሊጾሞ ኣለዉ። “ብዙሕ ኣሻቓሊ ኣሰራርሓ እዩ” ድማ ኢሎም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com