Wednesday , May 8 2024
Fredrik Sandberg / TT kod 10080

በዓልመዚ ጥዕና ስቶክሆልም ሽማግለታት ንምክልኻል ንጹር መምርሒ ይጠልብ።

ሰብመዚ ከተማ ስቶክሆልም ሽማግለታት ንምክልኻል ንጹር ናይ ሕጊ መምርሒ ከም ዘድልዮ ንበዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሓቲቱ። ለበዳ ኮሮና ምስቲ ዝነበሮ ብምንጽጻር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቕነ ዘገምታ ምርኣዩ ተፈሊጡ’ሎ። “እዞም ሰብመዚ ንጹር ሓበሬታ ክቕርቡ ዘይምኽኣሎም ዓቢ ጒድለት እዩ” ክብል ከንቲባ እታ ከተማ ኣና ገርልመር ሎሚ ንኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ።

በዓልመዚ ጥዕና ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሽማግለታት ማስክ ክወድዩ ከም ዘለዎም ድማ ብኣጽንኦት ኣስሚራትሉ። እዞም ሕጊታት ንጹራት እንተ ዘይኮይኖም ብዝተፈላለየ ትርጒማት ክፉታት ስለዝኾኑ እዚ ትርጒማት ንጹር ክኾኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ድማ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com