Thursday , May 9 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ምብራቓዊ ክፋል ዮተበሪ ብፍላይ ብለበዳ ኮሮና ከም እተጠቕዐ ተገሊጹ።

ንፈለማ እዋን ዝወጹ ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ ኣብ ኣብ ቫስትራ ኣውራጃ ጉታላንድ ለበዳ እቲ ቫይረስ እኳ እንተንቈልቈለ ምብራቓዊ ዮተበሪ ግና ብፍላይ ይጥቃዕ ምህላዉ ኣመልኪቶም። ቫስትራ ጁታላንድ 30 ሽሕ ዝኾኑ ክልከፉዋ እንከለዉ ኣብ ቀረባ እዋን እዚ መልከፍቲ ምንቊልቋሉ ሓላፊ ምቊጽጻር እዚ ለበዳ ቶማስ ዋልፐሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት ዝጸንሑ ጸብጻባት ዝበዝሑ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቶትበሪ እኳ እንተጸንሐ ሓደስቲ ኣሃዛት ግና ኣብ ምብራቕ ሸነኽ ምግዳዱ እዮም ዘመልክትቱ ዘለው።

Östra Göteborg ንኣውራጃታት Bergsjön, Kortedala, Utbyን Gamelestadenን ዘጠቓልል ኮይኑ ዝበዝሐ ጸብጻባት ሕማም ከም ዘለዎን ክሳብ 10 ሽሕ ከም ዝበጽሕ እውን ይፍለጥ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣብ ምብራቕ ሽወደን ዘለዉ ሽማግለታት በዚ ሕማም ምጥቅዖም ኮይኑ፥ ጒዕዞን ኣገባብ ምውሳድ ጥማዕን እውን ከም ካልኦት ምኽንያታት ይጥቀሱ እዮም። ኣብቲ ዞባ ዛጊት 225 ሕሙናት ከም እተረኽቡን እዚ ድማ ኣብ 10ሽሕ ሰባት 43 ዝኾኑ ተለኺፎም ምህላዎም ዘመልክት እዩ። ካብዚ ቐጺላ ብዙሕ እተጠቕዐት Örgryte-Härlanda ኮይና 26 ድሕሪኣ ድማ Angred ኮይና ኣብ ዓሰርተ ሽሕ 25 ዝኾኑ ተለኺፎም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com