Thursday , May 9 2024

ባይቶ ሽወደን ንብዝሒ ሞትን ምስፍሕፋሕን ኮቪድ 19 ብዝምልከት ፍሉይ ናይ ክትዕ መድረኽ ከካይድ እዩ።

ባይቶ ሽወደን ኣብ መእለይን ኣብያተ ክንክንን ኣረጋዉያን ማለት äldrevården ንዝተራእየ ብዝሒ ምልባዕ ለበዳ ኮቪድ-19፣ መን ሓላፍነት ይዉሰደሉ ኣብ ዝብል ጉዳይ ፍሉይ ናይ ክትዕ መድረኽ፣ከምዘካይድ ኣገልግሎት ዜና ተተ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እብዚ ሃገር ብፍላይ ኣብ ገለ ገለ ዞባታት ኣብ ኣብያተ ምእለይ ኣረጋዉያን ዝተራእየ ሰፊሕ ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ስዒቡ፣ ዝበጽሐ ሞት ብዕድመ ዝደፍኡ ተኣለይቲ ኣረጋዉያን ምኽሳቱ፣ ዓቢ መዛራቢ ነጥቢ ብምዃኑ፣ ሰልፍታት ሽወደን ደሞክራሲ SD ሰልፊ ቨንስተርን ብዝቐርብዎ ኣማመ መሰረት እቲ ፍሉይ ናይ ክትዕ መድረኽ ክዳሎ፣ ከምዝተወሰነ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ሰልፊ ሽወደን ደሞክራሲ SD እዚ ፍሉይ ናይ ክትዕ መድረኽ ዝጠለበሉ ምኽንያት ነቲ ኣብ ገለ ቦታታት ዞባ ስቶክሆልም ዝተራእየ ህልቂት ኣረጋዉያን፣ ኣብ ካልኦት ዞባታት ከይኽሰት ንምግታእ ዝዓለም ምዃኑ ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com