Wednesday , May 8 2024
Jessica Gow / TT kod 10070

መንግስቲ ምእካብ ህዝቢ ንምውጋድ ን ህዝባዊ መጓዓዝያ ናይ ሰለስተ ሚልዮን ሓገዝ ክገብር እዩ።

መንግስቲ ብማእከላይን ሊበራልን ሰልፊ እናተደገፈ ን ጽላት መጓዓዝያ ናይ 3 ቢልዮን ክሮና ክገብር ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና TT ተገሊጹ።፡ እዚ ድጎማ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝተኸስተ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንምሽፋን ከገልግል እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ብምኽንያት እዚ ለበዳ መዓልታዊ ፍሰት ተጓዓዝቲ ምንካዩን ካብ ጽላት መጓዓዝያ ዝርከብ ዝነበረ ግብሪ ምጒዳሉን ዝፍለጥ እዩ።” ክትብል ሚኒስተር ኣከባቢ ኢሳቤላ ሉፊን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብሪሃ።

እዚ ይዂንምበር ሰብመዚ መጓዓዝያ ንሕቶ መንግስቲ ተግባራዊ ብምግባር ዘሎ ፍሰት ተጓዓዝቲ ክንኪ ምግባሮም ምስጋና ይግብኦም እዩ” ኢላ። እዚ እናኾነ ሚኒስተር ትሕተ ቕርጺ ቶማስ ኢነሮስ ” ምስፍሕፋሕ እዚ ለበዳ ንምንካይ ፍሰት መጉዓዝያ ምንካይ ግድን ከድልየና እዩ” ክብል ደገፉ ገሊጹ’ሎ። እዚ ሰለስተ ቢልዮን ክሮና ናብ ነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር ክመቕራሕ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com