Friday , May 10 2024

መንግስቲ ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ስእነት መድሃኒት ዝተፈጥረ ቅልዉላዉ ከምዘየለ ሓቢሩ።

መንግስቲ ሽወደን ብስንኪ ስእነት መድሃኒት ዝተፈጥረ ቅልዉላዉ ከምዘየለ ንምኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሌና ሃለንግረን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኤኮት ሓቢሩ። እታ ሚኒስተር ካብ ወሃቢት ቃል ማሕበራዊ ጉዳያት ናይ ሰልፊ ሞደራት ንዝቐረበ፣ መንግስቲ ንዞባታት እዛ ሃገር እኹል ቀረብ መድሃኒት ኣየቕረበን፣ እዚ ኸኣ ንቕልዉላዉ ሕጽረት መድሃኒት ጠንቂ ከምዝኾነ፣ ንዝብል ክሲ ብምንጻግ፣ ኣብ ሽወደን እኹል ተረፍ መድሃኒት ኣብ መኽዘን ኣሎ እኳ እንተዘይተባህለ፣ ብቕልዉላዉ ዝግለጽ ሕጽረት ግን ከምዘየለ፣ እታ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ኣፍሊጣ። ከምዝፍለጥ ኣብ መዉሃቢ ህጹጽ ሕክምና ማለት intensivvård ዞባ ስቶክሆልም፣ ብሰንኪ ዘሎ ብዝሒ ጸቕጢ ሕሙማት ኮቪድ 19 ተደጋጋሚ ሕጽረት መድሃኒትን ናዉቲ መከላኸልን ከምዝተራእየ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com